Post   » View

Bottom «« ... 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 ... »»

First Name YAY
Date 10:12 AM - Mar 10, 2013
Comments
ዝኸበርካ "ሓውኩም"፡ (IP: 142.161.151.159 ካብ ኣካባቢ ውኢኒፐግ፡ ካናዳ) ነዚ ጽሑፍዚ ዘደምስስ ጽቡቕ ምኽንያት ኣይሃብካን

ነቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ደራሳይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንከሎ እንታይዩ ዕላማኡ ትብህል ኣሎኻ። ቀንዲ መጽሓፊ ኡ ምኽንያት ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹዎ ኣሎ፡"ነዚ ጽሑፍ ዚ ንክንጽሕፍ ዝደረኸኒ ዝዓበየ ጉዳይ፥ ፍሉይ ዕላማን ሕቡእ ዛዕባን ሃልዩኒ ዘይኮነ፥ እታ ትማሊ ኣብ ዘካየድናዮ ሓርነታዊ ተጋድሎናን ዝኸድናዮ ሰለስተ ወሎዶ ዝወሰደ ገድላዊ ጉዕዞና፥ ኤርትራ፦ ኤርትራ ኾይና ንኽትክበር፥ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፦ ህዝብና ከም ህዝቢ መጠን ዝሓለፎ ስቅያትን፥ ተደራራቢ ሰንሰለታዊ ግፍዕታትን፥ ከም ውጺኢቱ ኸኣ፥ ነታ ዘይትንደል ኤርትራዊት ዘንጊ ኣብ ቅድሚ ዓለም፥ ሃገራዊ መንነቱን፥ ኤርትራዊ ክብርታቱን ንምውሓስ፥ ትማሊ ንዝጀመሮ ጉዕዞ፥ ኣብ ሎሚ ኾይኑ ንጽባሕ ‘ውን፥ ብዘይ ዕረፍቲ ዝጓዓዘሉ ኣብ ዘሎ እዋንን ግዜን፥ ካብ ካልእ ቅርሕንትን ሕዱር ፖለቲካዊ ሕሳባት ተበጊሰ፥ ወይ ድማ፥ ንስርዓት ኣስመራ ከም ስርዓት መጠን ንምድሓንን ህላዌኡ ንምቕጻል፥ እስትንፋስ ንምስዃዕ ዘይኮነ፥ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ንዝወጠኖ ፖሎቲካውን ወትሃደራውን ስለያዊ ሽርሕታትን፥ ናይ ተጻብኦ ማሕለኻታቱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢ ኤርትራ፥ ንወሎዶታት ዝቕጽል ሓደገኛ ስትራተጂካዊ ውጥናቱ ናብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምቅላዕን፥ ብሓባራዊ ርዲኢት፥ ሓባራዊ ኤርትራዊ ቃልሲ ንምክያድን ዝዓለመ ኢዩ።"
ቀጺሉ፡ "...ብመሰረቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፥ ለውጢ ከምዘድልየና ልዕለይ እትፈልጥዎን እትቕበሉዎ ጉዳይ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን ጥራይ ዘይኮነ፥ ለውጢ ንስለ ዝደለና ግን፥ ንእንሓቶን እንብህጎን ለውጢ፥ ደሞክራሲ፥ ፍትሕን ሰላምን፥ ሓድነትን ምርግጋእን፥ ምርግጋጽ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን፥ ምሕላው ግዝኣተ ሕግን፥ ምጽናዕ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን፥ ካባና፦ ናባና፦ ብኣና፦ ምዃኑ ኣሚና እንኸዶ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቓልሲ ‘ምበር፥ ኢዱ ብዘሕበጠ ናይ ቀረባ ጎረቤት ይኹን፥ ብበትርን ካሮትን ዝደናደነና ናይ ርሑቕ በዓል ሻፎ ዱላ፥ ለውጢ ከምጸኣልና ኢዩ ኢልና ክሳድና ኣድኒኑ ዘጎናብሕ ኒሕ ስለ ዘይብልና....ሓበሬታይ፥ ንሰንሰለታዊ ምትእስሳር ናይ’ቲ እኩብ ተጻብኦታት ስእሊ ንምትሓዝ ብዝፈተነ መልክዑ ቅኑዕ ስእሊ መታን ከትሕዘኩም ብዝኽእለሉ መዳዩ ንዝርዝራቱ የቕርበልኩም...፥፡"
ቀጺሉ፡ "ሓደራ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ፥ ኣብ መዓልቱ ዘይቕላዕ ሳግላን፥ ብማዕጺድ ዘይጉናእ መሸላን ስለ ዘየለ፥ ዕላማ መልእኽተይ ከም ኤርትራዊ ሃገራዊ መጠን፥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታትን፥ ሉኡላውነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምውሓስን ንምድሓንን ዝዓለመ ድኣ ምበር፥ ንተረኽቦ ዕለት 21 ጥሪ 2013 ይኹን፥ ኣለዉ ንዝበሃሉ ተቓወምቲ ሕብሪ ንምልካይን፥ ንስርዓት ኣስመራ ንምጽብባቕን ንምድሓን ዝዓለመ ዘይኮነ፥ ንውሽጣዊ ናይ ተጻብኦ ሽርሕታት ስርዓት ወያነ ንምቅላዕ ዘነጻጸረ ምዃኑ ብትሪ ከነጽር እደሊ፥፥ "

ኣብ መደምደምታ፡ "... ሓበሬታና ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ክሳብ ዝኾነ፥ ንሕና ኤርትራዉያን ንለዉጢ ብኸመይ ንደልዮ ከም ዘሎና ‘ዉን ክምለሰልና ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ሃገራውያን፥ ጽሟቕ ናይ ዝርዝር ሓበሬታና ኣመሓላሊፍና ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መጠን እንታይ ይሓስብን፥ ይውስንን ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕደግ ጉዳይ ‘ዩ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ምዕዶን ዘድልዮ ዘይኮነ ጽጹይ ሓበሬታ ምቕባል ኢዩ ዘድልዩ፥፥ ስለ ዝኾነ ኸኣ፥ ሓያል ብድሆ ካብ መንግስቲ ኣዲስ፡ኣበባን ወይጦታቱን ከጋጥሞ እዩ። ኣስማት፥ ዕለትን፥ ቦታን፥ ስዓትን ተዘርዚሩ ስለዘሎ፥ ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ዕለት እቶም ልዒሎም ኣስማቶም ዝተረቕሑ ሰባት፥ ኣብ ከባቢኹም ዝነበሩ እንተኮይኖም ከተራጋግጽዎ ቀሊል ኢዩ።

ናይ በልጅም ኣኼባ ውሽጣዊ ስርሓቱ ጌና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ፥፥ እታ ዓቢ ስሪሒት ክካየደላ ኢዩ ዝብልዋ ዘለዉ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ዓበይቲ “ኮኾባት ኤርትራ” ኢሎም ዝምስልዋ ዘለው እንታይ ክካየድ ኣርጊጽና ፈሊጥና ኣለና፥፥ ብንጹር ከኣ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሽርሓዊ ውጥናቶም ከተግብሩ ክፍትኑ ኢዮም። ኮይኑ ግን ኣቐዲምና ነቒሕናሉ ስለ ዘለና፥ ወያነ ዋላ ንመደባቶም ንምትግባር፥ ቦታታት ክቕይሩ እንተፈተኑ፥ ግሎባለይዘሽን ንዓለማና ንቁሸት ስለ ዝቕየራ ግን፥ ዝቐየሩ እንተቐየሩን፥ ከም ሓዊ ዝልብልብ ውጥናት እንተሓንጸጹን፥ ኣብ ኣፍንጭኦም ኮይና ነሻትቶም ስለ ዘለና፥ ወያነን ጽላሎቶምን ናብ ዘብልዎ የብሎምን። ‘’ዕርፍካ ኣጽንዕ፦፦፦’’ ኢዩ እቲ መልእኽቲ። "ይብህል። ህዝቢ ከይነቅሕ፡ ነቂሑ ከይተሓባብር ዶ ኢኻ እትደሊ፧


ንሓንሳእ ኣነ ክዝልእ ግዜ ድማ ንሕና ትብህል፡ ከመይ፧ ንዚብል ሕቶ ዝመለሶ ይመስለኒ፡ ምኽንያቱ ካብ ግዱሳት ተጸናጻንቲ እከይ ተግባራት ወያነ ስለዝብህል። ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ብዙሓት ኮይኖም፡ ጸሓፊኡ ሓደ ኪኸውን ስለዚኽእል።
ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምድላይ ብሓፈሻኡ ክትቃወሞ ዘድሊ ዕላማ ኣይኮነን፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ምዃኑ ከይፈለጥካ። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ግን ናጽነት ወ ልዑላውነት ኤርትራ ንምሕላው ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላእትና ንተዓጠቕ ዚብህል እዩ። ከምዚ ምግባር ትቃወም እንተዘይኮንካ ነቲ እዚ ጽሑፍዚ ዘርዚሩዎ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታት ሕቅነቱ ምርግጋጽ፡ ወይ ንዝጎደሎ ምምላእ፡ ወይ ኣቃራርባኡ ምምሕያሽ፡ ካብኡ ንላዕሊ ትፈልጥ እንተኴንካ ከኣ ህዝቢ ንኪፈልጦ ት ዝርግሕ፡ወዘተ ደኣምበር እለዩዎ ወይ ሰርዙዎ ዘብህለካ እኹል ምኽንያታት ኣይሃብካን።
IP: 173.73.75.141     Last edited: 10:37 AM - Mar 10, 2013

First Name To 'Hawukum'
Date 05:51 AM - Mar 10, 2013
Comments
Why are you protesting the posting of the article, what is wrong if somebody tries to bring some heat to people collaborating with woyane, why are you asking Dehai to remove the article from the DMB. On whose behalf are you protesting. Why don't you let people do their job, the woyanes write 1000 articles a week denigrating Eritrea, and then comes one article trying to educate us about what's going on, and you protest this one article.
IP: 217.211.172.121     Last edited: 10:37 AM - Mar 10, 2013

First Name MIK
Date 04:31 AM - Mar 10, 2013
Comments
Dear Bothers and Sisters:

Hawkum (and others), I share your sentiments. There is nothing new that is relevant to most ordinary Eritreans anywhere. We already knew that the Weyane were aiming for the destruction of Eritrea with or without Eritrean traitors as collaborators. If the information is true, it should have been quietly passed to Eritrea's national security or to the appropriate national defense officials (at least before it is revealed for the whole world) so that the perpetrators are apprehended.

I am bothered by the writer's attmept at supposing that he/she and their organization have support among Eritreans. The way he/she writes like an insider but he/she calls him/herself and his colleagues "ተጸናጸንቲ". By the way, is it possible to have a foreign force capable of carrying out a substantial operation hidden among ordinary Eritreans (who have payed with the life of their children, neighbors, relatives and freinds for their country's liberation, its continued sovreignty and independence)? People in any village would know who lives there and who doesn't. Wouldn't the coming of many strangers make some people be suspicious? How about the intelligence units of our defence forces? They would not know anything by this time?

Does this letter/information to Eritreans have alterior motives? Does it intend to scare Eritreans and be suspicious of eachother? There are such things as "misinformation" and "disinformation." Let's wait and see.

Till whatever happens, as the writter in this message said, let's be as vigillant as ever, compatriots! Whether true or not, our defence forces would handle it.
IP: 72.80.232.61     Last edited: 10:37 AM - Mar 10, 2013

First Name ተወሳኺ ሓበረታ
Date 03:41 AM - Mar 10, 2013
Comments
ዶክተር ሩት ባህታ‘ኸ ማንያ
ንለባምን ኣምተሉ ክንደየናይ ከይስሕቶ ፣ ንዓሻን‘ከ ደርጉሓሉ ክንደየናይ ከይፈልጦ ከምዝበሃል – ተንኮላት ተጻባእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ስለዝፈልጥ እዩ ድማ ነቲ ልዑል መስዋእትን ስንክልናን ከፊሉ ነጻነት ዘምጸአ ውድቡ ምስ እዚ ኹሉ ጸገምን ሽግርን ተሸኪሙ ዝኸይድ ዘሎ – እቲ‘ምንታይሲ ካብቲ ደሙን ስግኡን ከፊሉ ነጻነት ዘምጸአ ንላዕሊ ሓላዩ ኮይኑ ክመጽእ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ወገን ብሕዝቢ ተቐባልነት ስለዘይብሉ ፤ ምኽንያቱ ድማ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ስለ ዝኾነ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ክንጽሕፍ ዘገደደና ዋና ምኽንያት እንተደአ ሃልዩ ኣብዚ <> ብዝብል ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣገዳሲ ጽሑፍ ፥ ካብቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሽዩጣት ደቂ ሃገር ናይ ሓንቲ ዕሸል ዶክተር ሩት ባህታ (ተቐማጥነታ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ፍሉይ ቦታ ሶሰን-ሃይም) ከም ሰክረታሪያት ምሁራን ኮይና ኣብ ደምበ ተቓውሞ (ደምበ ጊላነት) ተገልግል ምህላዋ ምስ ረኣና ስለ ዘስደመመንና‘ዩ። መላገጫ ድያ ኴይና እዛ ሃገር? ብዛዕባ መዓርግ ዶክተርነታ ጭብጢ ዘለዎ ዶክሜንት ሒዝና ክሳብ ዝቐርብ ይጽነሓልና እሞ መንያ እዛ ሰብ?
ሩት ባህታ ኣቡኣ ባህታ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ሓርነት ኤርትራ ኔርና ዝብሉ ባእታታት ክንሱ ንሜዳ ኤርትራ ቅድሚ ምብትታን ተሓኤ ራሕሪሑ ዝሃደመ እዩ። ኣብ ግዜ ነጻነት ኤርትራ ውን ካብቶም ቀንዲ ኣይፋል ንናጽነት ዘድመጹን ኣብ ድሕረ ነጻነት ኤርትራ ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ሱዳን (ከሰላ‘ን) ዶብ ኤርትራን ብምኻድ ነቶም ብጅሃድ ዝፍለጡ ዝነበሩ ዕሱባት ግብረ ሽበራውያን ስንቅን ዕጥቅን ዘቐብል ዝነበረን ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ መዓስከር ናይ ኣሜሪካ ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሐን ፣ ኣብ ተጻብኦን ሽርሕን መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ብዙሕ በደል ዘስዓበ ባእታ እዩ። እቲ ዝገርም ብሽም በዓል-ቤቱ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረማርያም ኣብ ኣስመራ ቪላ ገዛ ኣስሪሑ ኣካርዩ ይርከብ። ነቲ ክራይ ገዛ ብመንገዲ ሓወላ ኣብዚ ከምዝቕበሎ ድማ ማንም ኣብ ከባቢኡ (Frankfurt – Sossenheim) ዝርከቡ ኤርትራውያን ጎረባብቱ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ሰበይቱ ወይዘሮ ኣልጋነሽ መበቆል ዓዳ ኣብ ሰገነይቲ ኾይኑ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ግን ኣብ ናዝሬት (ኢትዮጵያ) እዩ። ክንዲ ምዃኑ ድማ ክልተ ኣብ ናዝሬት (ኢትዮጵያ) ዝዓበያ ምንኣስ የሕዋታ ምስ ኢትዮጽያውያን (ኣምሓሩ) ሓዳር መስሪተንን ወሊደንን ይርከባ። ንምግላጽ ዝኣክል ምንኣሳ ሰናይት ገብረማርያም ዝተብሃለት ምስ ሰብኣያ ደሳለኝ ፋና‘ን 3 ደቆምን ናብ ሃገረ ጀርመን ብጻዕሪ ናይ ሰብኣያ ኣቶ ባህታ በቲ ምስ ወያነ ብዝነበሮ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ቅድመ ወራር መወዳእታ 1997 ናብ ሃገረ ጀርመን ኣምጺኣቶም። እዚ ብዓል ቤታ ንሰናይት ገብረማርያም ፣ ደሳለኝ ፋና እዩ ዝበሃል። ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ፋብሪካ እንዳ ክሻ የምርት ካድሬ ተባሂሉ ተመዲቡ ዝነበረ ኣባል ህዝብ ድህንነት ኢትዮጵያን ክንሱ ንቡዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ብቕንዕና ኣይሰርሑን ፣ ሳቦታጅ ጌሮም ወዘተ ብዝብል ምስምስ ዘእሰረን ዘጽነተን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ከምዝነበረ ማንም ኣብ እንዳ ክሻ ዝሰርሕ ዝነበረን መብዛሕቱ ወዲ ገጀረትን ዝምስክሮን ሓቂ እዩ። ደሳለኝ ፋና ነቲ ውሩይ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ብሄራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝነበረ እሞ ኣብ ዝተፈላለየ እዎን ብኸም ዘርኣጋብር ገብሪሂወት ፣ ፍጹም ጊሎም ፣ ቢኒያም ኣስመላሽን የማነን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ተሳዒሩ ተስፋ ብምቁራጽ ካብ ስፖርት ዓለም ወጺዩ ኣደዳ መስተን ዝሞትን ኮይኑ ብሕማቕ ሕማም ዝሞተ ሓዉ ን‘ሃይሉ ፋና እዩ። ደሳለኝ ምስ ሰለስተ ደቁን ሰበይቱን ናብ ጀርመን ምስ ኣተወ ከይወዓለ ከይሓደረ እዩ ንሰበይቱ ገዲፍዋ። በዚ ዝተሓመሰት ሰናይት ድማ ናይ ባህ ኣይበሎ ምስ ሓደ ብሕማም ሓንጎል ዝሳቐ ዝነበረ ኤፍረም ገመቹ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ዕርክነት ብምምስራት ራብዔይቲ ቆልዓ ወለደት። እቲ ናይ ርእሲ ጸገም ዝነበሮ ኤፍሬም ካብቲ ዝእለየሉ ዝነበረ መዕቆብ ሕሙማን (እንዳ ጽሉላት) ብለይቲ ሞሊቑ ወጺኡ ኮነይሉ ናብ ዓቢ ጎደና ከይዱ ኣብ ዓባይ መኪና ብምእታው ነብሰ-ቅትለት ፈጺሙ። እምበኣር ወ/ሮ ሰናይት ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ዝወለደቶም 4 ደቃ ብድጎማ መንግስቲ ጀርመን ተዕቢ ብመስተን ሽጋራን ዝሙትን ዝፈለለት ዜጋያ ሓትነ ሩት ባህታ። እታ ምንኣሳ ሰላማዊት ትበሃል‘ውን እንተኾነት ኣቶ ባህታን ሰበይቱ ወ/ሮ ኣልጋነሽን ከም ጓልና ከነዕብያ ኢሎም ኣብ 1993 – 1994 ኣዳብት ጌሮም ካብ ኣዲስ ኣበባ ዘምጽእዋ እያ። ቁሩብ ጸኒሑ ኣቶ ባህታ ካብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ መዓስከር ወተሃደራት ኣሜሪካ ስለዝተሰጎገን ቁጠባዊ ጸገም ስለ ዘጋጠሞን ነዛ ንእሽተይ ንዕልቱ ሰላማዊት ገ/ማርያም ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት ኢዳ ከምትህብ ገበረ። በቲሉ በቲሉ ድማ ምስ ሓደ ዮሴፍ ገመቹ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ከም ትቑረን ገበራ። ንሳውን እንተኾነ ከም ሓፍታ ክልተ ኢትዮጵያውያን ቆልዑ ወሊዳ። እቲ ኣቦ ደቃ ብመስተን ብኻልእ ልምድታትን ዝተጥቕዐ ኣብርእሲ ምዃኑ ብዝገጠሞ ሓደጋ ርእሱ ስለ ዝተውቕዐ ንበይና እያ 2 ደቃ ተዕቢ። ምንኣሰን ሓወን ሃይለ ገብረማርያም ውን እንተኾነ ምስ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ተኣኻኺቡ ብሓንሳብ እዩ ዝነብር። እምበኣር እዞም ዝገለጽናልኩም ክልተ ሓትነታትን ሓደ ኣኮን ዶክተር ሩት ባህታ እዮም።
ብጀካ እዚኦም ሓንቲ ሰገን ገብረማርያም ትብሃል ሓትነኣ ንሩት ባህታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትቕመጥ ኔራ። ካብቶም ብደርጊ ተወሪሶም ዝነበሩ ገዛውቲ እሞ ወያነ ን‘ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቖጻጸሮ ዋናታቱ (ናይ ወጻኢ ዜጋታት ዝኾኑ) ዘይተረኽቡን ብወያነ ተገቢቶም ብሑሱር ዋጋ ንኣባላቶምን ንኣገልገልቶምን ኣብ ዝተሸጡሉ ግዜ ኣቶ ባህታ ምስ ሰበስልጣን ወያነ ብዝነበሮ ዝምድና ብሽም ጓሉ ሩታ ባህታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓደጎ ገዛ ኣለዎ። እምበኣር እዛ ኣቐዲምና ዝገለጽናያ ሓፍቲ ሰበይቱ ንኣቶ ባህታ ሰገን ገብረማርያም ኣብኡ እንዳተቐመጠት ነቲ ገዛ ትሕልወሉ ነበረት። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ምስ ሰበስልጣን ወያነ ርክባት ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝኸደሉ እዋን ኣብኡ ስለ ዘዕርፍ ሰገን ውን ከም ሓፍቲ ሰበይቱ ጥራይ ዘይኮነት ከም ኣገልጋሊቱ ብምዃን ዘድልዮ ተማላኣሉ ነበረት። ካብዚ ሓሊፉ‘ውን ናብኡ ንዝመላለሱ ሰበ ስልጣን ወያነ ከተእንግድ ናይ ግድን ኮና። እዛ ኣቐዲማ ወለዳ ዝሰኣነት ሓፍቲ ሰበይቱ ብጀክኡ ጠዋሪ ስለ ዘይነበራ ክትምእዘዝ ናይ ግድን ነበረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ካብ ሓደ ንሕጂ ሽሙ ምግላጹ ዘየድሊ ብዓል ስልጣን ወያነ ድቂ ሓዘት። ነቲ ዘጋጠማ ኩነታት ንሰብኣይ ሓፍታ ኣቶ ባህታ ብስልኪ ምስ ሓበረቶ ኣክንዲ ዝጉሂ ድልየቱ ስለ ዝሰመረሉ ብታሕጓስ ፍንጭሕ ክብል ደለየ። ብኣንጻሩ ግና እቲ በዓል ስልጣን ወያነ በቲ ኣብ ስርሑን ምስ ሓዳሩን ከጋጥሞ ዝኽእል ጸገም ብምምዝዛን ክቕበሎ ኣይከኣለን። ነታ ኣብቲ እዋን እቲ ጓል 18 ዓመት ዝነበረት መንእሰይ ሰገን ድማ ምስ ማንም ትጋሰሲ ኔርኪስ ሕጂ ሰብ መሪጽኪ ናትካ እዩ ክትብልኒ ፥ ብምባል ከጉባዕብዓላን ናቱ እዩ ንኸይትብል ከፈራርሐን ጀመረ። ኣብዚ ህሞት እዚ ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ወራር ወያነ ስለ ዝተወለዐ ምስክነይቲ ሰገን ነብሰ ጾር ክንሳ ወዮ በዓል ስልጣን ምስቶም መጀመርያ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ጌሩ ቅድሚ ሰብ ኣባረራ። ኣቶ ባህታ ንምድሓና ተጓዪዩ ካብ ጀርመን ዋላ እንተኸደ ከርክባ ኣይከኣለን። ከም ውጺቱ ድማ ናይ 3 ወርሒ ጥንሲ ሒዛ ኣስመራ ኣተወት። ጠዋሪ ዘይብላ ብኽንደይ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝበጽሐት ሰገን በቲ ብሰንኪ ሰብኣይ ሓፍታ ዘጋጠማ ጸገምን በቲ ብበዓል ስልጣን ወያነ ዝበጽሓ ክድዓትን በደልን ብምጉሃይ መዓልቱ ዝሓለፎ ጥንሲ ክትንጽል ሂወታ ሓሊፈት። እምበኣር እዛ ግዳይ ሓትኖኣ ንዶክተር ሩት ባህታ እያ።

እዚ ኹሉ ዝገለጽናዮ እምበኣር ሩት ባህታን ኣቡኣ ኣቶ ባህታን መንዮም ንምፍላጥ ዝኣክል እዩ። ዶክተር ሩታን የሕዋታን ካብ ህጻንነተን ጀሚረን ብሕልሚ ስልጣን ናይ ኣቡአን ማሕጽበ-ሓንጎል (Brain-wash) ተጌሩለን ዝዓበያ ቆልዑ እየን። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ባህሊ ይኹን ማሕበረ ሰባዊ ጉዳይ ከይተሓወሳ ፤ ደቂ ዓደን ከይፈለጣ እየን ዓብየን። ብጀካ እቲ ኣቡአን ዝነግረን ጽውጽዋይ ዝኾነ ይኹን ዝፈልጠኦ ባህላዊ ይኹን ብሄራዊ ኣመት የብለንን። ዜግነተን እንተኾነውን ጀርመናውያን እየን። ብጀካ እዚ ውን ሩት ካብተን ምስ ጸለምቲ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝሃላ ዝነበራ ደቂ ዓደን ዝፈንፈንወን ሓንቲ እያ። እምበኣር እዘን ከም በዓል ሩታ ዝበላ ባህለን ይኹን ቋንቁአን ዘይፈልጣ እየን ኤውሮጳዊ ዜግነት ሒዘን ናይ መጻኢት ኤርትራ ክመርሓ ዝሕለም ዘሎ። በዓል ባህታ ኣሪጎም ዓጅዒጆም ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ምስ ኣተወ ኣሽንኳይ ተቓሊሰንሲ ከም ሃገረን መጠን ከማን ኤርትራ ኣትየን ዘይፈልጣ ሂወት ኤውሮጳውያን ዘስተማቐራ ሕነ ወለደን ንምፍዳይ ተባሂሉ ህዝቢ ንኽበታትና ዘሰልፉወን ዘለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ክፍለጥ ዘለዎ ዶክተር ሩታ ባህታ ዕላዊ ስርሓ ዘይፍለጥን ብሽም ገበርቲ ሰናይ ብዝፍለጣ መሳርሒ ምዕራባውያን ብዝኾና ድርጅታት ትምወልን ምዃና ምርዳእ የድሊ። እቲ መዓርግ ዶክተርነትውን ኣብ ዝቕጽል ምስ ጭብጡ ካበይ ከምዝመጸን ብኸመይ ከምዝተሸለመቶን ክነቕርበልኩም ኢና። እዚ ካብ ብዙሕ ሓደ እዩ። ስለዚ ወያነ ሕልምታቱ ኣብ ዝተግሃደሉ እዋን ህዝበይ ኣይትተሃመል።

ዓወት ንሓፋሽ ህንቢ ኤርትራ
IP: 79.102.154.134     Last edited: 10:37 AM - Mar 10, 2013

First Name Hawkum
Date 12:40 AM - Mar 10, 2013
Comments
hawna Liberty,

Did you actually read the stuff??? I sort of found it strange...that is all.

The main sticking points are:

"nmengisti ertra nmdhan akonen" (twice)
"nsrAt asmera tnfas nmskuaE aykonen"
"Lewti kem zedlyena zekatE aykonen"
"democracy, human rights...(sound familiar)..kenemxE ena nqales zelona"
"nay habar meqalesi bayta nmftar eyu"

Now for the last time, if you haven't read it and just pasted it here, that is ok. Otherwise, all I am saying is, whoever wrote this is getting away with so much none sense, for a scanty little valuable info...aka hanti abay khokhob ledrgmuwa hasibatom lenihatom..wuy wuy..axariyna nmexekum lnhena :-)
IP: 142.161.151.159     Last edited: 10:37 AM - Mar 10, 2013

First Name LIBERTY
Date 11:10 PM - Mar 09, 2013
Comments
Abeden hawey is being long time from DEMBE and Meskerem bro ... but am kind of lost .. what the dude Hawkum is tripping about ...
IP: 81.152.188.170     Last edited: 12:22 AM - Mar 10, 2013

First Name Hawkum
Date 10:49 PM - Mar 09, 2013
Comments
Thanks Liberty and abeden for correcting my assumption that the article belonged to the pen name it was posted under.

Liberty,

Let me clarify my points as regards #2 and #3:

#2 when an article appears anonymously (which there may be reasons for doing so at times), it is natural to try gather from the discussions contained in it, as much info as possible. The writer/s was some times using "we" and at other times "I" as a source, that seem confusing at the very least.

#3 Eritreans have gone through 12 years of sustained barrages of attempted sabotage. They are still standing tall. They didn't achieve this in complete ignorance of who their enemies are and how they operate. In fact, I will go as far as stating that the average patriotic Eritrean would know extensive biography of far more hasusat than the article listed.
The strange part is that the article says there are some armed sleeping cells in Eritrea waiting for their marching orders from woyane. And woyane is preparing supplies by moving equipments other sundry for when they move into action, presumably to bring down "one of the biggest stars" in Eritrea!!!

So, the article is really telling us that the military intelligence unit of EDF is oblivious to such movements on the ground and have to read this article to take the necessary precautions?

Simply put, what on earth is this none sense supposed to be!

Woyane has been sponsoring one group afte another, threatening regime change, calling for sanction (and lying to effect it), committing terrorist acts, paying hasusat...pretty much everything. What is the purpose of this article that is telling us "we need change in Eritrea" and "it was not meant to give a gasping breath to GoE"?

I am lost here, explain to me if you know more...
IP: 142.161.151.159     Last edited: 10:57 PM - Mar 09, 2013

First Name LIBERTY
Date 09:40 PM - Mar 09, 2013
Comments
Dear HAWKUM....this aint my article .. i just copy and pest it here in DMB ..for any Eritrean to read and understand how the bloody woyanie's mind operates... nothing less nothing more...ohhhh .. here i will quote u .... 2. ''Some times you say 'we' at other times you say "I" '' .....and will quote you again... 3. ''Most of the information you list is already in public domain'' loll if you know it is on public domain why are accusing me for saying me and are then ? any way i hope u r one of us not one of them....but let me tell u again this aint my article ...i did not add or subtract any thing from the article....
IP: 81.152.188.170     Last edited: 10:10 PM - Mar 09, 2013

First Name abeden
Date 07:47 PM - Mar 09, 2013
Comments
Dear "HawKum".
Hawna Liberty has nothing to do with the article. He just posted it what was already poste in Alenalki and Meskerem. But I too don't see the point of the article for it really doesn't tell us anything we didn't know about the malicious Weyanes and the various Hasusat that are trying to breath in deep murky water of treason. We know that they are no good and any activity they do is dead on arrival! So who cares?
IP: 71.231.27.244     Last edited: 10:10 PM - Mar 09, 2013     Edit

First Name re: howkum
Date 06:52 PM - Mar 09, 2013
Comments
i agree with you brother. lately dehai has been a play ground for those weyanes pretend to be eritreans.

please remove the post.
IP: 24.212.145.42     Last edited: 10:10 PM - Mar 09, 2013

First Name የሃመ/YHM
Date 06:35 PM - Mar 09, 2013
Comments
Viral Video Shows the Extent of U.S. Wealth Inequality

Originally from:http://mashable.com/2013/03/02/wealth-inequality/

https://www.youtube.com/watch?feature=player_embedded&v=QPKKQnijnsM
IP: 108.225.130.114     Last edited: 10:10 PM - Mar 09, 2013

First Name Hawkum
Date 04:38 PM - Mar 09, 2013
Comments
Dear Liberty;

Thanks for the information, but I have some reservations.

1- What is the point of circulating this piece of narrative? If you have some tangible issues, shouldn't you communicate it with the relevant authorities? In any case, I hope this is not another way of attempting to sow fear among Eritreans. It wouldn't work.

2-Some times you say 'we' at other times you say "I"

3- Most of the information you list is already in public domain, and Eritreans know the who-is-who list of hasus like the back of their hand.

4- You say 'we need change in Eritrea' on whose behave are you talking? Also, you say 'you don't intend to give a gasp of breath to the regime in Asmara' hello? who is gasping for breath anyway??? seb Sharbas?

Dear dehai,

with all respect, please remove these none sense from your servers. We are beyond that.

IP: 142.161.151.159     Last edited: 06:10 PM - Mar 09, 2013

First Name LIBERTY
Date 01:07 PM - Mar 09, 2013
Comments
ህዝቢ ኤርትራ ብዕሊ ክግንዘቦ ዝግባእ:
ሽርሕታት ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን
ስንክሳር ማሕለኻታቱን!!!
ካብ ግዱሳት ተጸናጻንቲ እከይ ተግባራት ወያነ


ቅድሚ ናብ ጥልቕ ዝበለ ዝርዝር ሓበሬታ ምእታወይ: ኣቐዲመ ነዚ ጽሑፍ ዚ ንክንጽሕፍ ዝደረኸኒ ዝዓበየ ጉዳይ: ፍሉይ ዕላማን ሕቡእ ዛዕባን ሃልዩኒ ዘይኮነ: እታ ትማሊ ኣብ ዘካየድናዮ ሓርነታዊ ተጋድሎናን ዝኸድናዮ ሰለስተ ወሎዶ ዝወሰደ ገድላዊ ጉዕዞና: ኤርትራ! ኤርትራ ኾይና ንኽትክበር: ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ! ህዝብና ከም ህዝቢ መጠን ዝሓለፎ ስቅያትን: ተደራራቢ ሰንሰለታዊ ግፍዕታትን: ከም ውጺኢቱ ኸኣ: ነታ ዘይትንደል ኤርትራዊት ዘንጊ ኣብ ቅድሚ ዓለም: ሃገራዊ መንነቱን: ኤርትራዊ ክብርታቱን ንምውሓስ: ትማሊ ንዝጀመሮ ጉዕዞ: ኣብ ሎሚ ኾይኑ ንጽባሕ ‘ውን: ብዘይ ዕረፍቲ ዝጓዓዘሉ ኣብ ዘሎ እዋንን ግዜን: ካብ ካልእ ቅርሕንትን ሕዱር ፖለቲካዊ ሕሳባት ተበጊሰ: ወይ ድማ: ንስርዓት ኣስመራ ከም ስርዓት መጠን ንምድሓንን ህላዌኡ ንምቕጻል: እስትንፋስ ንምስዃዕ ዘይኮነ: ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ንዝወጠኖ ፖሎቲካውን ወትሃደራውን ስለያዊ ሽርሕታትን: ናይ ተጻብኦ ማሕለኻታቱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢ ኤርትራ: ንወሎዶታት ዝቕጽል ሓደገኛ ስትራተጂካዊ ውጥናቱ ናብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምቅላዕን: ብሓባራዊ ርዲኢት: ሓባራዊ ኤርትራዊ ቃልሲ ንምክያድን ዝዓለመ ኢዩ::
ብመሰረቱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ: ለውጢ ከምዘድልየና ልዕለይ እትፈልጥዎን እትቕበሉዎ ጉዳይ ምዃኑ ዘጠራጥር የብለይን ጥራይ ዘይኮነ: ለውጢ ንስለ ዝደለና ግን: ንእንሓቶን እንብህጎን ለውጢ: ደሞክራሲ: ፍትሕን ሰላምን: ሓድነትን ምርግጋእን: ምርግጋጽ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን: ምሕላው ግዝኣተ ሕግን: ምጽናዕ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን: ካባና! ናባና! ብኣና! ምዃኑ ኣሚና እንኸዶ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቓልሲ ‘ምበር: ኢዱ ብዘሕበጠ ናይ ቀረባ ጎረቤት ይኹን: ብበትርን ካሮትን ዝደናደነና ናይ ርሑቕ በዓል ሻፎ ዱላ: ለውጢ ከምጸኣልና ኢዩ ኢልና ክሳድና ኣድኒኑ ዘጎናብሕ ኒሕ ስለ ዘይብልና: ካብ መፈለምታኡ: ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊት ሃገረ ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻባኢ ስጉምትታት: ኣሽምባይዶ ሕጂ ሰፊሕ መርበብ ረኺብና: ብቐደሙ ‘ውን መሪሕነት ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ: ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ሉኡላዊ ኤርትራዊ መንነት: ንጹር መርገጺ ከም ዘይነበሮ ዝሕብር መዛግብቲ ግሉጽ ዝገበሮ ይመስለኒ:: ንዝያዳ ናይ’ዚ መሰረታዊ ነጥቢ መርትዖ ኸኣ: ናይ ትማሊ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቦ ወንበር ዝነበረ: ነፍስ-ሄር መለስ ዜናዊ ኣብ 1990: ምስ ሓደ ኣባል C.I.A. ዝኾነ ኣመሪካዊ PAUL B. HENZE ዘካየዶ ቃለ መሕትት: እኹል መርትዖ ኢዩ ንዝያዳ ነዚ ዝስዕብ ጥብቆ ተመልከት:-
http://www.esai.org/myESAi/viewtopic.php?t=4269&sid=0ed4c4bf9f4f0f67bee2de680088df72
መደባት ተጻብኦ ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ኤርትራ:-
ድሕሪ ኩናት 1998: ክሳብ 2010 ዝነበረ ኩነታት: እዋኑ ዝሓለፎ ሓበሬታ ብምዃኑ: ናብ ዝርዝራቱ ኣትየ ግዜኹም ክሻመወልኩም ስለ ዘይደሊ: ሓበሬታይ: ንሰንሰለታዊ ምትእስሳር ናይ’ቲ እኩብ ተጻብኦታት ስእሊ ንምትሓዝ ብዝፈተነ መልክዑ ቅኑዕ ስእሊ መታን ከትሕዘኩም ብዝኽእለሉ መዳዩ ንዝርዝራቱ የቕርበልኩም:: ሰናይ ናይ ኣፍልጦ ንባብ:-
ሓደራ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ: ኣብ መዓልቱ ዘይቕላዕ ሳግላን: ብማዕጺድ ዘይጉናእ መሸላን ስለ ዘየለ: ዕላማ መልእኽተይ ከም ኤርትራዊ ሃገራዊ መጠን: ኤርትራዊ ሃገራዊ ክብርታትን: ሉኡላውነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምውሓስን ንምድሓንን ዝዓለመ ድኣ ምበር: ንተረኽቦ ዕለት 21 ጥሪ 2013 ይኹን: ኣለዉ ንዝበሃሉ ተቓወምቲ ሕብሪ ንምልካይን: ንስርዓት ኣስመራ ንምጽብባቕን ንምድሓን ዝዓለመ ዘይኮነ: ንውሽጣዊ ናይ ተጻብኦ ሽርሕታት ስርዓት ወያነ ንምቅላዕ ዘነጻጸረጽ ምክኑ ብትሪ ከነጽር እደሊ::
መደባት ናይ ግዳም መንግስቲ ምቛም ብመንገዲ ኢትዮጵያ:-
ኢትዮጵያ: ካብ ውሽጣዊ ሕሳባ ኣብ ኤርትራ: ናይ ግዳም መንግስቲ ንምቛም ካብ ዝነበራ ጥሙሕ ብምብጋስ: ኣቐዲማ ንብዙሓት ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግምባር ዝነበሩን ክትረክብ ፈቲና ጥራይ ዘይኮነ: ብመሰረት ናብ ነዊሕ ዒላማ ዘንቀደ ሕሳባታ ተበጊሳ ዝወደበቶ ኣካይዳ: ብኣብ በልጅም ዝቕመጥ ኣምሃ ደሞኒኮ ዝተባህለ: ኣብ 1977 ኣብ 1ይ ዉድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ተሳቲፉ ዝነበረ ኢያ መደባታ ከተትግብር ጀሚራ።
ብመጀመርያ ኣምሃ ደሞኒካ መን ኢዩ?
ኣምሃ ደሞኒኮ: ቀንዲ ሽሙ ኣምሃጽዮን ተኽለሰንበት ዝብሃል ኮይኑ: ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየን: ናይ 1ይን 2ይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምጥንቓቑ: ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደን: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቱ ብምቕጻል ናብ ወጻኢ ዝሰገረን ኢዩ።
ኣምሃ ደሞኒኮ: ካብ’ቲ ካብ ሃገር ዝወጻሉ እዋን ጀሚሩ: ክሳብ 1976 ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝነበረሉ እዋን: ቀንዲ ተኸታሊ ስነ ሓሳብ ኢትዮጵያዊ ሃይለ ፊዳ ዝነበረን: ኣብ ነጻነት ኤርትራ ‘ውን ምሉእ እምነት ዘይነበሮን ኢዩ:: ድሕሪ 1976: ኣብ ፈረንሳ ብዝነበሩ ናይ ህዝባዊ ግምባር ላዕለዎት ናይ ሓፋሽ ውድባት ሓለፍቲ ተወዲቡ: ኣብ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምስታፉ ‘ውን: ካብ ፈረንሳ ናብ በልጁም መጺኡ ክቕመጥ ጀሚሩ:: ኣብ በልጅም: ናይ ሕጊ ትምህርቱ ብምቕጻል: ክሳብ ናይ ጥሮታ እዋን ግዜኡ ከም ኣማኻሪ ናይ ሓደ ትካል ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሰብ ኢዩ። ኣምሃ ደሞኒኮ: ኣብ ዕድሚኡ ምሉእ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ: ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ትኹን: ኣብ ኤርትራ መሪሕ ኣካል ኮይኑ ንኽረአ ባህግን ድልየትን ዘለዎን: ነዚ ንምትግባር ከኣ ኪኖ ህይወቱ ዝኾነ ዋጋ ብምኸፋል: ሓላፍነት ክረኽበሉ ዝኽእል ባይታ ጥራሕ ንምጥጣሕ ኣብሲሉ ዝሰርሕ ሰብ ኢዩ።
ዳኒኤል ተወልደ:-
ዳኒኤል ተወልደ: ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ: ኣቦኡ ኣብ ሆላንድ ዝነብር ንጹር ትውልዲ ዓዱ ዘይተፈልጠ: ኣዲኡ ስማ ለምለም ትብሃል ኣብ ኣስመራ ኣብ ስራሕ ቤት መስተ ተዋፊራ ዝነበረት ኢትዮጵያዊት ኢያ:: ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998: ዳኒኤል ተወልደ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ብምእማን: ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ ኮይኑ: ኣዲኡ ‘ውን ምስኡ ኣብ ኣመሪካ እትነብርን ኢያ። ዳኒኤል ተወልደ: ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ኩቱር ጽልኢ ዘለዎ ሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ስለ ዝኾነ ጥራይ: ንቛንቛ ኤርትራ ትግርኛ ላህጃ ኣዘራርባ ናይ ኣስመራ ኣደማምጻ ስለ ዘድምጽ: ረብሓ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ረብሓ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብምንጻር: ለውጢ ካብ ኢትዮጵያ ንኽመጽእ ጥራይ ዘይኮነ: ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትለሓቕ ድልየት ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ኢዩ።
ተኽለሰንበት ተኽላይ:-
ተኽለሰንበት ተኽላይ ገዲም ተጋዳላይ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ: ድሕሪ ምብትታን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ: ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝብሃል ዝነበረ ጉጅለ ከም ኣባል መሪሕነት ዝነበረን: በዓልቲ ቤቱ ፍረወይኒ ገብረጻድቕ ትብሃል ኮይና: ሓዋ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ከሰላ ዝነበረን: ኣብ ከባቢ 1992 ምስ ካልኣዩ ካብ ከሰላ ብህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ተጨውዩ ተባሂሉ ዝንገረሉን: ብኸምኡ እምነት ሓፍቱ ፍረወይኒ ገብረጻድቕ ትኹን: በዓል ቤታ ተኽለሰንበት ተኽላይ: ክቱር ናይ ሕነ ምፍዳይ ድልየትን ጽልእን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግምባር ዘለዎም ኮይኖም: ብዝኾነ ዋጋ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ይኹን: ብመንገዲ ህዝባዊ ግምባር ዝነበሩ ተጋደልቲ ንዝመጽእ ለውጢ ብመትከል ዘይቅበሉን ኣብ ጽልኢ ዓለም ዝነብሩን ኮይኖም: ድሕሪ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ: ምስ’ቲ ብመስፍን ሓጎስ ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ምስማሮም: ኣብ ሓደ ውድብ ምጥቕላሎም: ኣብ’ቲ ሓድሽ ሰልፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራ ተባሂሉ ዝተጸዉዐ ውድብ: ተኽለሰንበት ተኽላይ ኣብ መሪሕነት ብዘይምምጽኡ ኹራኡ መሊሱ ዝደገሶን ዝተሓደሶን: ንኣገልግሎት መደባት ኢትዮጵያ ንምትግባር ድሕር ዘይብል: ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ኢዩ::
ዓብደርሑማን ጣሃ:-
ዓብደርሑማን ጣሃ ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ኤርትራዊ ኮይኑ: ብጋዜጤኝነት ዝተመረቐን: ኣቐዲሙ ኣብ’ቲ ኣብ ክፍላ 2006 ብመንግስቲ ሱዳን እትምወል ዝነበረት: መደባታ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐት ራድዮ ምብራቕ እትብሃል ራድዮ ዝመርሕ ዝነበረን: ኣብ 2008 ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራልያ ዘምረሐን: ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ዝቕመጥ ዘሎ: ድሕሪ ናይ ዋዕላ ኣኼባ: ሕጂ ናይ ኣልናህዳ ዝተባህለ ውድብ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኢዩ።
ምምስራት ኮምሽን ዋዕላ:-
ኢትዮጵያ: ነቲ ኣቐዲማ ዝወጠነቶ ምትእክኻብ: ብስም ኤርትራዊ ምሕዝነት: ድሒሩ ኸኣ ብስም ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝፍለጥ ምትእኽኻባት ዕግበት ስለ ዘይረኸበትሉ ጥራይ ዘይኮነ: ኢትዮጵያ ኣንጊሃ ብጉጉይ ቅመራ ዝሰርሓቶ ምትእኽኻብ: ኣብ ባይታ ዘውቀዮ ነገር ብዘይምንባሩ: ብሓድሽ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ክትሰርሕ ብምሕላን. ነዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ዝጠቐስክዎም ማለት፣-


ኣምሃ ደሞኒኮ:



ዳኒኤል ተወልደ:
ተኽለሰንበት ተኽላይ:
ፍረወይኒ ገብረጻድቕ:
ዓብደሩሕማን ጣሃ ዝርከብዎም ሰባት: ከም ኣባላት ኣሰናዳእቲ ዋዕላ ንደምክራስያዊ

ለውጢ ኤርትራ ኢላ ከም ኮምሽነራት ብምስያም: ብጠቕላላ 53 ኮምሽነራት ብምምዛዝ ናብ ስራሕ ከተዋፍሮም እንከላ: ነቲ ምትእኽኻብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን: ብፍላይ ከኣ: ንህላዌ ናይ’ቲ መስፍን ሓጎስ ዝርከቦ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምንጻል: ሓደ ኢትዮጵያ እትቆጻጸሮን: ከም ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ እዋኑ ከተትግብሮ እትደሊ: ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምቁጽጻርን: ንምትግባር ብሄራት ክሳብ ምንጻል ንዝብል ዕላማ ከተግብረላ ዝኽእል: ሓደ ንመደባታ: ብውሽጣዊ ቃንቃኣ ዝዛረበላ ጽላሎት ዝኾና: ባዕላ እትዝውሮ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ኢያ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ድኹም ዝነበረ: ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጠርነፈ ስማዊ ምትእኽካብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን መተካእታኡ ዝኸውን: ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ንምምስራት ዘኽእላ መስርሕ ንምክያድ: በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ 5 ሰባት ኣሰናዳእቲ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን: 53 ኮምሽነራትን ኣቒመ ብዝብል ስያመ ሒዛ ዝተበገሰት።
ኣብ’ዚ ብዋዕላ ንደምክራስያዊ ለውጢ ዝተጸውዐ ኣኼባታት: ካብ’ተን 16 ናይ ተቓዉሞ ውድባት: ሰልፊ ህዝቢ ንደሞክራሲ ኤርትራ ማለት: መስፍን ሓጎስ ብመሪሕነት ደረጃ ዘለዎ ብኽልተ ነጥብታት ዝተሞርኮሰ ካብ ምስታፍ ኢዱ ስሒቡ: እዚ ማለት ከኣ: ክልተ ነጥብታት ብምቕራብ ኢዩ ካብ ምስታፍ ሲሒቡ:-

ናይ’ቲ ዝካየድ ዋዕላ ዝለዓለ ላዕለዋይ ኢድ ክሕዝ ብዘይምኻሉን: ብጠለቡ ናይ 27 መምበር ስለ ዘይተወሰኾ ክኸውን እንከሎ:-
እቲ ዝካየድ ዋዕላ ዋኒነት ኣጀንዳኡ ብመን ኢዩ? ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ ኢዩ ካብ ምስታፍ ናይ’ቲ ዋዕላ ዝሰሓበ:-

ምስሓብ ሰልፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራ: ቀንዲ ዘይምትእምማን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኮይኑ ብምርካቡ: ኢትዮጵያ ነቲ ዝካየድ ዋዕላ ንደምክራስያዊ ለውጢ ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ: እንተላይ ብናይ ግዜ መቐን ባዕላ ክትዝውሮ መዲባ ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ መሰረታዊ ሓድነት ተቓውሞ ንምብትታን ከም ዝንስነስ መድሃኒት ንኽጥቀመሉ ግዜ ኣይወሰደላን: ስለ ዝኾነ ኸኣ: ነቲ ዝካየድ ኣኼባታት ዝቆጻጸሩ ሰበ ስልጣን ብምምዛዝ ማለት እዞም ዝስዕቡ፣-

ሕቡር ገብረኪዳን:- ኣቐዲሙ ነቲ ብሰንዓ ፎርም ዝተመስረተ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝቆጻጸርን: ኣልያ ብምክያድ ንቐንዲ ዕላማታት ወያነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ንምትግባር: ዝተመዘዘ በዓል ስልጣን ወያነ ኢዩ::
ሙኽታር ከድር:- ናይ ሕጂ ከም 2ይ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ ዘሎ: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብተቓወምቲ ውድባት ንዝካየድ ኩለንትናዊ ንጥፈታት ዝቆጻጸርን ዝኣልን: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫላትን በዓላትን: ንወያነ ወኪሉ መደረታት ዘስምዕን ሓፈሻዊ ግዳማዊ ክውንነቶም ዝቆጻጸርን ኢዩ::
ረድዋን ሑሴን:- ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ንኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ እናተቓወሙ: ንምትእትታው መንግስቲ ወያነ ብተሪር ዝኹኑንን: ንዕላማታት ወያነ ዝዕንቅፉ ኤርትራውያን ወገናት ምስ ደምበ ተቓውሞ ብምኻን: ናይ ምፍርራሕን ናይ ተነጽሎን መንገዲ ዘካይድን: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተመልመሉ ኤርትራውያን ሰለይቲ ስርዓት ወያነ ኩነታትም ዝከታተልን: መምሪሒታት ዝህብን ኢዩ::
ጀነራል መስፍን ኣማረ:- ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንደምበ ተቛዉሞ ኤርትራ ንኽመርሕ: ካብ ሕቡር ገብረኪዳን ናይ ኣልያ ጉዳይ ሓድሽ መሪሕነት ዝተቐበለ ኢዩ::
ሚኒስተር ዜናን መራኸቢታትን በረኸት ስምኦን:- ብትውልዱ ኤርትራዊ ኮይኑ: ዕባይ ጎንደር ኢዩ:: ኣብ ምምስራት ኤርትራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ: ቀንዲ ተቖጻጻርን መሪሕ ኣካል ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ ቐንዲ ምስዋር ናይ ብሄርን ሃይማኖታዊ ግርጭት ናብ ኤርትራ ንምንኻስ: ቀንዲ መምርሒ ብምሃብ ዝሰርሕ ዘሎን: ወደብ ዓሰብ ከምልሳ ኢየ ኢሉ ካብ ዝፍክሩን ሰበ ስልጣን ሓደ ኢዩ::
ስብሓት ነጋ:- ቀንዲ ንጉዳይ ኤርትራ ብሓላፍነት ሒዙ ኣብ ምምስራት ውድባት ፍቓድ ዝህብን: መምሪሒታት ሂቡ ፕሮግራማት ናይተን ውድባት ዝሰርዕን: ብፍላይ ነተን ቀንዲ ባዕሎም ዝቆጻጸሩወን ውድባት በዓል መን ክመርሕወን ከም ዘለዎም ዝምድብ በዓል ስልጣን ኢዩ::
ኣባይ ጸሃየ:- ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ነተን ተቃወምቲ ውድባት ወያናዊ ኣይድዮሎጂ ከተግብራ መምሪሒታት ዝህብን: ዉሽጣዊ ምምሕዳራዊ ጉዳያተን ዝከታተልን ዝሰርዕን በዓል ስልጣን ኢዩ::
ኢሰያስ ወለገርግሽ:- እዚ ቀንዲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ናይ ስለያ ሓላፊ ኮይኑ: ካብ ዓድዋ ዝተወልደ ኮይኑ: ብልዕሊኡ‘ኳ ሓደ ጌታቸው ዝብሃል ላዕለዋይ ሓላፊ እንተሃለወ: ቀንዲ ነቲ መሓውራት ስለያ ናይ ኤርትራውያን ካብ ዝቆጻጸሩን ኣኼባታት ክካየድ እንከሎ: ነቲ ኣኼባ ይኹን ዋዕላ ዝካየደሉ ኣዳራሻት ብዘመናዊ መሳሪሕታት ሪከርድ ብምግባርን: ሕቡእ ናይ መቕድሒ መሳሪሒታት ብምውዳድ: ንነፍስ ወከፍ ኣባል ተቛውሞ ብደቂቕ ካብ ዝከታተሉን ንዝተዘርበ ዘረባ ጥራይ ዘይኮነ: ንውልቃዊ ርክባት ከይተረፈ ዝጠልፍ በዓል ስልጣን ሓደ ኢዩ::
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቴድሮስ ኣድሓኖም:- ኣቐዲሙ ሚኒስተር ጥዕና ዝነበረ ኮይኑ: ከም ዝበሃል እዚ ‘ውን ብትውልዱ ኤርትራዊ ኢዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኮይኑ: ኣብ’ዚ ሕጂ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተጻብኦ መስርሕ: ሰባት ኣብ ምምዳብን መምርሒ ስራሕ ኣብ ምሃብን ዝነጥፍ ዘሎ በዓል ስልጣን ኢዩ። ኣብ’ቲ ብዘመናዊ ናይ ኮምፕዩተር ናይ ክትዕ ባይታ ዝካየዶ Pal-talk ዝብሃል መራኸቢ ብዙሃን ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ መካትዒ ባይታ ‘ውን: ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋፈሩ ናይ ወያነ ተጋደልቲ ዝነበሩን ጽቡቕ ምልከት ናይ ኤርትራ ቓንቓ: ብፍላይ ናይ ኣስመራ ላህጃ ኣዘራርባ ዝጥቀሙ ቆንስላዊ ጉዳያትን: ኣምባሳደራትን ዝሳተፉ ‘ዉን ኣለዉዎም። ነዚኦም ከኣ ከም ተወሳኺ ስራሕ ብቆንስላዊ ጉዳያት ኣቢሉ ይከታተሎም::
ሓደ ካብ’ዚኦም ኣብ ኣስመራ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣኽሊሉ ኣብርሃ ዝተባህለ:- ኣብ ኣስመራ ኣባሻውል ተወሊዱ ዝዓበየ: ሕጂ ባር ከስከሰ ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ቀደም ብባር ኢትዮጵያ እትፍለጥ ዝነበረት: ኣብ ጎኒ 2ይ መደበር ፖሊስ ዘላ ቡና ቤት ዋንነት ስድራ ቤቱ ምንባራ ዝፍለጥ: ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስላዊ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ።
ሃብቶም ኣብርሃ:- ኣቐዲሙ ኣብ ሆላንድ ቆንስል ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን: ናይ መላእ ኤውሮጳ ኢንተሊጀንስ ናይ ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሕን: ድሕሪ ምዕጻው ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ነዘርላንድ: ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ቆንስል ወያነ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ: ሓደ ካብ ተሳተፍቲ Pal-talk ኮይኑ ብኣዲኡ ካብ ኤርትራ ዝውለድ ኢዩ።

ዋዕላ ኣቃቄ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እንከሎ: ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ዝጠቐስናዮም 5 ኤርትራውያን ኮምሽነራት ተባሂሎም ዝተመዘዙ ብዝመርሕዎ ኣኼባ: ኣስታት 600 ሰባት ዝተሳተፉዎ ኣኼባ ክካየድ እንከሎ: ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ዝነበረ ኣምሃ ደሞኒኮ ‘ኳ እንተነበረ: እቲ ቐንዲ ኣጀንዳ ብምውጻእ ንኹሉ መዳያቱ ዝህንድሶ ዝነበረ ሚኒስተር ዜናን መራኸቢታትን ኢትዮጵያ በረኸት ስምኦን ኢዩ ነይሩ:: ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ ሕቶ ኸኣ: ‘’ኣብ ኤርትራ በትረ ስልጣን መንግስቲ ሒዙ ዘሎ ሓይሊ: መን ኢዩ? ብኸመይ ከ ንግለጾ? ኣብ ዝብል ነጥቢ ኢዩ ነይሩ:: ኣብ’ዚ ኸኣ እቲ መልሲ:- ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ: ብሄራዊ ጭኮና እንተላይ ኢዩ ዘሎ:: ስለ ዝኾነ ከኣ: ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ከበሳ ክርስትያናዊ ሓይሊ: ብሄረ ትግርኛ ኢዩ ዝግዛእ ዘሎ:: ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ: ካብ’ዚ ጭኮና’ዚ ክገላገል እንተኾይኑ: ትምክሕቲ ህዝቢ ከበሳ: ብፍላይ ትምክሕቲ ብሄረ ትግርኛ ክርስትያን ክስበር ኣለዎ!’’ ናብ ዝብል መደምታ ክበጽሑ ከም ዘለዎም ተገይሩ:: ነቲ መግለጺ ንምርጓድ ከኣ: ገዲም ተጋዳላይ መምህር ተስፉ ዘውደን: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጦም ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዝበሃሉ ሽማግለን: ብስም ብሄረ ትግርኛን ህዝቢ ከበሳን: ነቶም ኣባላት ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ዋዕላ ይቕረታ ክሓቱ እንከለዉ: ቅድሚ እዚ ኣኼባታት ዋዕላ ኣቃቄ: ኣቐዲሙ ብኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ናይ’ተን ብሄራት ክሳብ ምንጻል ብዝብል ስነ ሓሳብ ወያነ ዝንቀሳቐሳ ውድባት:-

ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ:
ደሞክራስያዊ ምንቅሲቓስ ሓርነት ዓፋር:
ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሳሆ:

4. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ብሌን ዝርከባኦ: ኣብ መቐለ ኣኼባ ክካየድ እንከሎ: ነቲ ምንቅስቓሳት ብኣላይነት ወያነ: ሓደ ናይ ፕሮፈሰርነት ማዕርግ ዘለዎ ፕሮፈሰር ጆሴፍ ማግነት ዝብሃል ካናዳዊ: ብሕቶ ብሄርነት ክሳብ ምንጻልን ኣተጋባብራኡን ዝብል ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ ነይሩ ኢዩ።
እቲ ፕሮፎሴር ጆሴፍ ማግነት ኣብ መቐለ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ኸኣ: ከም ብሓድሽ ኣብ’ቲ ኣብ ኣቃቄ ዝተኻየደ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሰፊሕ ከም ዝድገም ተገይሩ:: ፕሮፎሴር ጆሴፍ ማግነት ኣብ ኣስተምህሮኡ: ብሄረ ዓፋር ብመንግስቲ ኤርትራ ኣዝዮም ከም ዝተወጽዑን: ክሳብ ምጽናት ዓሌት(ጆነሳይድ) ይካየደሎም ከም ዘሎን: ካብ ኤርትራ ንኽንጸሉ ኸኣ: ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ኮንቨንሽን ንኽንጸሉ ሕጊ ከም ዘፍቅደሎምን: ኤርትራ ኸኣ ብሰላም ንኽትነባበር እንተኾይና: ብሄራት ክሳብ ምንጻል ብምፍቃድ ብፈደራሊዝም ክትምራሕ ጥራይ ከም ዘልዋ ኣስተምህሮ ክህብ እንከሎ: ብድልየት ተሳተፍቲ ዘይኮነ ናብ’ቲ ዋዕላ ኣትዩ: ብፍቓድን ትእዛዝን ኢትዮጵያ ኢዩ ናብ’ቲ ኣዳራሽ ዋዕላ ኣትዩ ንዝተዋህቦ ተልእኾ ዘካየደ:: ኣብ’ዚ መወዳእታ ዓመተ 2012 ከኣ: ኣብ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ናይ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ዓፋር ዋዕላ: ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ I.C.C. ክኸሶ ምዃኑን: ብሄረ ዓፋር ክሳብ ዝንጸል ከኣ ክሳብ መፈጸምታኡ ክሰርሕ ምኳኑ ገሊጹ ኣሎ።
ድሕሪ ዋዕላ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ: ዋዕላ ናይ ምሁራት ተባሂሉ ዝተጸውዔ ኣኼባ ተኻይዱ:. ናብ’ዚ ኣኼባ ምሁራት ተባሂሎም ዝተሳተፉ ብጀካ ገለ ዉሑዳት ብወለንተኦም ዘይኮነ: ብሕርያ ወያነ ኢዮም ተሳቲፎም:: ኣብ’ቲ ብስም ምሁራት ዝተካየደ ዋዕላ ምሁራት ተባሂሉ ዝተጸውዔ ኣኼባ ኸኣ: ከም ሰክረታርያት ኮይና ዘካየደት ሩታ ባህታ እትብሃል መንእሰይ ዕድመ ዘለዋ ተቐማጢት ከተማ ፍራንክፈርት ጀርመን ኢያ ነይራ::
ኣብ’ቲ ናይ ምሁራት ዝተባህለ ኣኼባ ዝተላዕለ ሕቶ እንተሃልዩ: ተመሳሳሊ ናይ’ቲ ኣብ ዋዕላ ኣቃቄ ዝተካየደ ኳ እንተኾነ: ልዕሊ ኹሉ ነቲ ኣኼባ ዝቕልሶ ዝነበረ ‘ውን ብተመሳሳሊ ሚኒስተር መራኸቢታት ወያነ በረኸት ስምኦን ኢዩ ነይሩ።

እዚ ብጉልባብ ምሁራት ዝተጸውዐ ዋዕላ ኸኣ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝተካየደ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደገፍ ንምሃብን: ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተላዕለ ትምክሕቲ ከበሳ ክስበር ኣለዎ ዝብል መግለጺ: ብኤርትራውያን ምሁራት ተገምጊሙ ከም ዝተኣረመ ንምምሳልን: ነቲ ዝቕጽል ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ባይታ ንምምድማድን ተባሂሉ ኢዩ ተኻይዱ:: ኣብ’ዚ ‘ውን እቲ ኣጀንዳ ብወያነ ኢዩ ተሰናዲኡ ተዋሂቡዎም።
ቀጺሉ ዝተኻየደ መስርሕ: ንቐጻሊ ምምስራት ናይ ግዳም መንግስቲ ብዝጥዕም ኣወዳድባ ዝቖመ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝብሃል ኢዩ ነይሩ:: ኣብ’ዚ ኣኼባ እዚ ኪኖ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተነድፈ ቅዋም ናይ 1997: ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝተኸለሰ: ንብሄራት ክሳብ ምንጻል ዝብል ዓንቀጽ 39 ናይ ወያነ ዘካተተን: ንሃይማኖታዊ እስላማዊ ምምሕዳር ዘፍቅድን ሓድሽ ቅዋምን ቻርተርን ኢዩ ንኤርትራ ተዳልዩላ::
ኣብ’ዚ ከም ቀንዲ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ኮምሽን ዋዕላ ነበር ኣምሃ ደሞኒኮን: ዓብደልሩሕማን ጣሃን: ኣቐዲሙ ብዝተፍጥረ ምስሕሓባት: ንዳኒኤል ተወልደ ሓላፊ ዜና ኮምሽን ኮይኑ ዝሰርሐ: ብመጀመርያ ዳኒኤል ተወልደ ንዝረኣዮ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሚስጢር ዝዓቁር ብዘይ ምኳኑን: ድሕሪ ነቲ ሓላፍነት ናይ ኮምሽነር ምሓዙ: ኣብ ሆላንድ ንዝርከብ ተደናጋጺ ህግደፍ ንዝኾነ ወላዲኡ ክበጽሕ ብምምጹኡ ተደሚሩ: ናይ ህግደፍ ሰላዩ ኢዩ ብምባል ካብ ስልጣኑ ብምብራር: ካብ’ቲ ሱታፌ ኣኼባ ምምስራት ባይቶ ከባርሩዎ እንከለዉ: ንኣማሃ ደሞኒኮን: ንኹሎም 53 ኣባላት ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበሩ ኸኣ: ኣብ ሓዲሽ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ከም ዘይምረጹ ብምግባር: ኢትዮጵያ ነቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኮይኖም ኣባልነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝነበሩ ጥራይ ከም ዝኣትዉ ብምግባር: ብሕርያ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ጸጋይ ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ከም ዝኸውን ገይራቶ።
ጸጋይ ዮውሃንስ:- ሓደ ካብቶም ፈዳይን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ: ኣብ’ታ ብክፍሊ ኣስመራን ከባቢኣን ራዕድን ሽበራን 104 ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ናይ ፈዳኢን ጉጅለ ኣባል ዝነበረን: ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ምስ ዘምህረት ዮውሃንስ ጥቡቕ ዕርክነት ዝነበሮ ኢዩ።
ነዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ምትእኽኻባት ከኣ: 34 ዝበጽሓ ፖለቲካውያን ውድባት ኢና ዝብላ ምትእኽኻባት ክጽምበረኦ እንከለዋ: መስፍን ሓጎስ ዘለዎ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣይተሳተፈን።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ: ኣቐዲማ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረትን: ኣብ ኣሃዱ 72 ተመዲባ ትሰርሕ ዝነበረት ፎዝያ ሓሰን:- ሓንቲ ካብ’ተን ወደብቲ ኣካላት ናይዚ ምትእኽኻብ ዝነበረት ኢያ:: ፎዝያ ሓሰን ካብ ሆላንድ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምኻድ: ምቕማጣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝገበረት ኢያ:: ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ከኣ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ: ብጀነራል መስፍን ኣማረን በረኸት ስምኦንን ብዝተዋህባ መምርሒ: ምስ ገለ ሰባት ኮይና ኣባልነታ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሲሒባ ኣላ።
ድሕሪ ዝቐጸለ መስርሕ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ስራሕ ገጹ ምስ ተበገሰ: ኣብ ሞንጎ ሓድሽ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን: ነባር መሪሕነት ውድባት ዘጠቓለለ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ: ኢትዮጵያ ነቲ ዝደለየቶ ዕላማ ምክፍፋል ኤርትራውያን ስለ ዝተዓወተትሉ: ኣብ ሞንጎኦም ንዘጋጠመ ምስሕሓብ ሰማይ ንኽዓርግ ብምግዳፍ: ደጊማ ብመንገዲ እዞም ዝስዕቡ ሰባት ዋዕላ ኣኼባ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ደብረዘይቲ ጸዊዓ:-


መርየም ዑመር (ውሪጥ) ተጋዳላት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረትን: ኣብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣባል መሪሕነት ኮይና ዝሰርሐትን. ንነዊሕ እዋን ከም ክፍሊ ህዝቢ ኮይና ዘገልገለትን: ኣብ መወዳእታ ናብ ኣሃዱ ክፍሊ 72 ዝተመደበትን: ምስቶም G13 ብምዃን ክታማ ዘንበረት: ስድራ ቤታ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኮይኖም ንሳ ግን ምቕማጣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገብረት ኢያ። መርየም ዑመር (ውሪጥ): ናብ’ቲ ኣኼባ ንምስታፍ ብወለንታኣን ብናታ ወጻኢታትን ናብ ዋዕላ ኣዋሳ ዝኸደት ኮይና: ብመንገዲ ኣብ ሽወደን ዝምቕማጡ መሓሪ ኣብርሃም ዝተባህለ ኢያ ተረቒሓ ከይዳ። ብመንገዲ መሓሪ ኣብርሃም ብዝተገብረላ ምትሕብባር ንመለስ ዜናዊ ክትረኽቦ ዝኸኣለትን: ኣባል ናይ’ቲ ዝተመስረተ ባይቶ ኮይና ዘይተመርጸትን ኢያ። ይኹን ድኣ ‘ምበር መርየም ዑመር (ውሪጥ): ነቲ ኣብ ዓመተ 1993-1994 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምስ ሃማደኤ ተካይዶ ዝነበረት ክትዕ: ሃ.ማ.ደ.ኤ. ካብ ኢድ ምትእትታው መንግስትን ግምባርን ተፈልዩ ነጻ ማሕበር ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገጻ ሒዙ ዝወጽእ ዝነበረ ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ: ቅደሓቱ ናብ መንእሰያት ብምቕራብ: ንገለ መንእሰያትን ገዳይም ተጋደልትን ከተእምን ዝኸኣለት ኢያ። መፋርቕታ መሓሪ ኣብርሃም ‘ውን: ኣቐዲሙ ‘ኳ ኣባል ኮምሽን ዋዕላ ኮይኑ እንተሰርሐ: ኣብ ባይቶ ግን ምስቶም 53 ኣባላት ኮምሽን ዋዕላ ዝተሰጎገ ኢዩ።
መሓሪ ኣብርሃም:- ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ኣሰናዳኢ ውልቂ ጋዜጣ መስትያት ኮይኑ ዝሰርሐን: ኣብ ሽወደን ከኣ ነታ ብስም ቲቪ ዘተ እትፍኖ መደበር ተለቪጅን ዘካይድ ኢዩ። መሓሪ ኣብርሃም ከም ጠባይ ናይ ገንዘብ ስሰዐ ዘለዎን: ዝበዝሕ እዋን ክረአ ዝደልን: ንኹሉ ጉዳያት ከም ዝፈልጦ ኮይኑ ክቐርብ ዝፍትን: ክቱር ናይ ስልጣን ስስዕቲ ዘለዎ ኣብ ዓረት ዝብሃል ዓዲ ኣከለ ጉዛይ ዝዓዱ: ኣብ ኣስመራ ገዛ ባንዳ ጥልያን ተወሊዱ ዝዓበየ: ኣብ እዋን ደርግ ከኣ: ኣብ ማርያም ግምቢ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩን: ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ነቲ ናይ ደርግ ናይ ማእሰርቲ ጉዳያት: ኣብ መዓልቲ 20 ሰነ ብመንገዲ ቲቪ ኤረ መግለጽን መብርህን ካብ ዝሃቡ ሓደ ኢዩ:: መሓሪ ኣብርሃም ከም ሰብ ሓይል ተዛራባይ ኢዩ።
ኣቦ ወንበር ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበረ ኣማሃ ደሞኒኮ ምቕማጡ ሃገረ በልጅም ንታሪኹ ብዝምልከት ልዕል ክንብል ጠቒሰዮ ኣለኹ::
በረኸት ካሕሳይ:- ፍርቂ ጎኑ ግብጻዊ ምኻኑ ዝንገረሉ: ካብ ሓማሴን ዝውለድ ምቕማጡ ዓዲ እንግሊዝ ዝገበረ ኢዩ::
ኻልድ ዓብዱ:- ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ሞቦቆሉ ትግራዋይ ኮይኑ: ኣብ ዩኒቨርስት ኣስመራ ዝተማህረን: ሓደ ካብ ኣዳለውቲ ጋዜጣ ኣድማስ ዝነበረን: ብቐጥታ ድሕሪ ኩናት 1998 ናብ ስዕድ ዓረብ ዝኸደን: ብመንገዲ ስዑድ ዓረብ ኣቢሉ ናብ ሃገረ ሽወደን ብምእታው ነባርነቱ ኣብ ሽወደን ዝገበረ ኢዩ።
ተኽላይ ኣብርሃ:- ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዓብዩ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን: ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ሓኪም ቦጦሎኒ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣባል ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበረን: ብህዝቢ ዋላ ካብ ምምራጽ ኣባልነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን እንተተገለፈ: ብመንገዲ ስርዓት ወያነ ብሕርያ ናብ’ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን: ብደረጃ መሪሕነት ዝተጸምበረን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነባርነቱ ዘረጋገጸ ኢዩ።
ሃይለማርያም ተስፋይ:- ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጋዳላይ ኮይኑ: ኣብ ኣመሪካ ውድብ መስሪቱ ዝነበረ እሞ: ብሃንደበት ካብ’ቲ ውድብ ወጺኡ ኣባል ኮምሽን ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምዃን ዝሰርሐን: ሕጂ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ዘሎ ኢዩ።
ክብሮም ደብሩ:- ብመንገዲ ወያነ ካብ ሽም ኣልባ ናብ ካናዳ ዝኣተወ ገና መንነቱ ዘየጻረኽዎ ኢዩ::

ኣብ ዝቐጸለ መስርሕ ተሳተፍቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋዕላ ደብረዘይቲ ዝነበረ መምዘኒ: ኣብ መስርሕ ለውጢ ንምትእትታው መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝቕበሉን: ብግዳም ንዝመጽእ ለውጢ ዝርዕሙን: ህንጡይነት ለውጢ ዝደፋፍኦምን: ዝያዳ ኹሉ ኸኣ: ብመንግስቲ ኤርትራ በደል በጺሕዎም ዘማርሩ ምዃኖም ንዝተኣምነሎምን: ብመሰረት ኣቲ መምዘኒ ብቑዓት ናይ ዝተባህሉ ኤርትራውያን መንእሰያት: ናይ መጓዓዝያኦምን ኩሉ ወጻኢታቶምን ብወያነ ተሸፊኑሎም ኢዮም ናብ’ቲ ዋዕላ ንምስታፍ ከይዶም።
ኣብ’ዚ ጎስጓስ እዚ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበረን: ኣቐዲሙ ኣብ ኩለን ናይ ዋዕላ ኣኼባታት ዝተሳተፈን: ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ብደረጃ ጋዜጤኝነት ዝሰርሕ ዝነበረ ኣማኒኤል ኢያሱ ኢዩ ሓላፍነት ናይ ምጉስጓስ ተዋሂቡዎ በታ ንሱ ዝውንና ኣሰና ፋዉንደሽን ዝነጥፍ ዝነበረ። ኣማኒኤል ኢያሱ ድሕሪ ምስ መለስ ዜናዊ ምርኻቡ ከም ዕሱብ ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝተፈልጠ: እንተላይ ራድዮ እተመሓላልፍ www.assenna.com ኣቢሉ ብወያነ ብዝክፈሎ ዘሎ ገንዘብ: ክሳብ ሕጂ ዝዘንብዐ ጎስጓሳት ዘካይድ ዘሎ ኢዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ከም መደብ ‘ውን: ምስ’ቲ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ንኤምባሲታት ሃገረ ኤርትራ ብሓይልን ጎነጽን ከተጥቅዑ ኣለኩም: ኤምባሲታት ኤርትራን ትካላቱን ብሓዊ ከተቃጽሉ ኣለኩም እናበለ ዓቢ ጎስጓስ ዘካይድ ዝነበረን ዘሎ: ኣብ 1980 ናብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ: ሞቦቆሉ ትግራዋይ ዝኾነ በርሀ ተኪኤ ደስታ ዝተባህለ ብናይ ብርዒ ስም pilot-104 ዝፍለጥ ድሕሪ ካብ ውድብ ምጥያሱ: ኣብ ሲነማ ኩሮቾ-ሮሳ ከም ዋርድያ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረን: ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ኣባል ስለያ ወያነ ብምዃን ዝነጥፍ ዘሎ: ብድምጺ ኣብ ዝተቐድሐ መግለጺኡ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ: ከም ናይ Sመርወዩ ስምዒታቶም የገልግላ ብምንባረን: ባዕሉ ንሱ ውን ብትእዛዝ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ: መድሃኒት እንዳሃበ ንግላዊ መርወዩ ስምዒቱ ይጥቀመለን ከምዝነበረ ዝሓበረ ኢዩ:: ኣብ መደባት ራድዮ ኣሰና ኣቕሪቡ ዘጋውሐን ዘተዓባበየን ኢዩ::

በርሀ ተኪኤ: እዚ ኹሉ ናይ ጸለመን ፕሮፕጋንዳን መስርሕ ከካይድ እንከሎ: ከም ኣባል ስለያ ወያነ መጠን ብቐንዱ ብወያነ ንዝተዋህቦ ትእዛዛት እዃ ዘተግብር እንተነበረ: ከም ተወሳኺ ነዳዲ ኮይኖም ዘረሳሰንዎን ከም ሓቀኛ ብምምሳል ዘተባብዕዎን ቀንዲ ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ካብ ዝነበሩ ማለት:-

ረዲእ መሓሪ (ኣለና) ኣባል ማሕበር ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ባረንቱ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ዝነበረ: ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ረዲእ መሓሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ሓደ ውድብ ክምስርት ኪኢሉ ዘሎ ኢዩ:: ነቲ ብኹምራ ድርዳራት ተባህለ ብዝብል ቃላት ዝተለቓቐበ ጽሑፋቱ ከም መጽሓፍ ገይሩ ብምስናድ: ብወያነ ኣድናቖት ዝረኸበ ረዲእ መሓሪ: ብሱታፌ ኣበድ ተስፋይን: ሃይለ ተኪኤን ግምባር ዓደቦ ዝብል ስያሜ ዝሓዘ ውድብ ክምስርቱ እንከለዉ: ሃይለ ተኪኤ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን: ኣብ ገለ እዋን ድሕሪ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምውጻእ ከኣ: ከም ኣባል ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐን ይርከብዎም።

ኣብ ደብረዘይቲ ዋዕላ ኤርትራውያን መንእሰያት ንምክያድ ይሕሰበሉ ኣብ ዝነበረ ህሞት: ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ: ካብ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይሊ ነጻ ዝኾነ: ንኣካይዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነቅፍን: ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኣሰራርሓ ብኤርትራዊ ዓቕሚ ጥራይ ክእረም: ወይ ክዕረ ከም ዘለዎ ዝኣምንን: ንውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ: ንኤርትራውያን ጥራይ ክሕደግ ከም ዘለዎ ዘንጸባርቕ ዋዕላ: ብናቶም ወጻኢታት ብምሽፋን: ኣቐዲሞም ካብ ምትእትታው ግዳማዊ ሓይሊ ነጻ ዝኾነ: ኤርትራዊ ዋዕላ ኣካይዶም ኢዮም።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን: ብገለ ኤርትራውያን ሃገራውያን: ኣብ ሽወደን ኣንጻር እቲ ወያነ ኣብ ደብረዘይቲ ኸካይዶ ዝውጥኖ ዝነበረ ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራ: ኣሰር ናይ’ቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናጻ ዋዕላ ኤርትራውያን ብምኽታል: ብናቶም ወጻኢታት ንምክያድ ኣብ ዝምድብሉ ዝነበሩ እዋን: ወያነ: ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ: ብፍላይ ከኣ: ኣብ’ቲ ብዕድመን ተሞክሮን በሲሉ ኢዩ ዝብሃል ቀዳማይ ወለዶ ንዘሳወሮ ናይ ምትፍናንን: ምዝራግን: ምብትታንን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ: ብዝያዳ መሊሱ ናብ መንእሰያት ኤርትራ ከም ዝልሕም ንምግባር ብዝጥዕም መንገዱ: ምሁራት ኤርትራውያን ኢሉ ዝሰመዮም ከም በዓል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝምቕማጡ ዮሴፍ ገብሪህይወት ዝኣመሰሉ ጸይቀ ዕሉላት ኣዳኸርቲ ከተዋፍር ጀሚራ።
ዮሴፍ ገብሪህይወት:- ኣብ መንደፈራ ተወሊዱ ዝዓበየን: ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጀርጆ ዝተማህረን: ድሕሪ ናብ ባዕደ-ማርያም ካልኣይ ብርኪ-ትምህርቲ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ምኻዱ: ብመምህርነት ተቖጺሩ ኣብ ከተማ ዓሰብ ከም መምህር ተመዲቡ እናሰርሐ እንከሎ ንስርዓት ደርጊ ገዲፉ: ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝፈለሰን: ነጻነት ኤርትራ ዘይቅበልን: ንክውንነት ምምጻእ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ናይ 60ታት ወለዶ እእሙሮ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም ኣብ ሓንጎሎም ዝሰኣልዋ ናይ ደቀ ኣስመራ ኤርትራ ኢሉ ዝኣምን: ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክቱር ንዕቀት ዘለዎን: ኣብ ኤርትራ ዝህሉ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት: ብዘይካ ብናይ ጎረባብቲ ሓይሊ: ወይ ከኣ: ብሓያላን መንግስታት ብኻልእ ክሰዓር ዘይከኣልን: ቀጻልነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ከኣ: ኤርትራ ነቲ ኣቐዲሞም ስርዓታት ኢትዮጳያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበናትን ግፍዕታትን: (ዮሴፍ ገብሪህይወት ግን በደላት ኢዩ ዝብሎ): ኣሪምካ ናብ ንቡር ምምላስ ኢዩ ዘዋጽእ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ጎስጓስ ዘካይድ ዘሎ ዓብን ቀንድን ጽላሎት ናይ ወያነ ኢዩ። ናይ’ዚ ግናይ ኣመለኻኽታኡ መበገሲ ኸኣ: ኣብ ትዕዝብቲ የኣቲኻ ክትግምግሞ እንከለኻ: ምስ’ቲ ምሁር ኢየ ኢሉ ንነብሱ ዝውድሳን: ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኸኣ: ንኽልተ ግዜ ናብ ኣስመራ በጺሑ ዝሓሰቦ ውልቃዊ መደባት ስለ ዘይሰለጦን: ኣብ ዕድሚኡ ኸኣ ንኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ይኹን: ድሕሪ ነጻነት ዘበርከተላ ጉዳይ ስለ ዘየለ: ኣብ ታሪኹ ካብ ዝሰረጸ ነብሰ ምትሓት ዝምንጩ ጽልኡ ዝነቅል ኢዩ።
ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ከኣ: ዮሴፍ ገብሪህይወት ነታ ተስፋልደት ኣለም መሓረና መስሪትዋ ዝነበረ www.asmarino.com ከም ኣማሓዳሪኣ ብምዃን: ኣብ’ታ መርበብ ሓበሬታ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብተስፋልደት ኣለም መሓረና ዝቐርብ ዝነበረ ቅርጡው መደባት: ብዝኸፍአ መልክዑ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝሰርሕ ዘሎ ኢዩ:: ተስፋልደት ኣለም መሓረና: ኣንጻር መንስግቲ ኤርትራ መበገሲ ተቃዉሞኡ: መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብስም ዋይት ሆቴል ዝፍለጥ ኣብ ድሕሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝርከብ ትካሎም ሕጂ ሃገራዊ ድሕነት ሒዞሞ ዘለዉ: ስለ ዘይተዋህበና ካብ ዝብል መበገሲ ኢዩ:: ተስፋልደት ኣለም መሓረና ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ከኣ: ድሕሪ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቱ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላያ: ኣብ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ንዝነበረት ኣማኒት ሃይማኖት ጴንጤ ኮስታል ዝኾነት ዘማሪት ሄለን ብርሃነ ምስ ተመርዓወ: ካብ ንጥፈታቱ ብምዝሓሉ ኢዩ ነዛ መርበብ ሓበረታ ንዮሴፍ ገብሪህይወት ከረክቦ ዝወሰነ።
ወያነ ከም መደባ ብመንገዲ መርየም ዑመር (ውሪጥ)ን መሓሪ ኣብርሃምን: ልዕል ክብል ዝጠቐስናዮም ተሓባበርቶምን ብዘዋፈረቶ ናይ ሕርያ መደብ: ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብምዕዳም: ኣብ ደብረዘይቲ ዋዕላ ከተካይደሎም እንከላ: ቓል-ንቓሉ ንስኻትኩም ሓደሽቲ ወለዶ ኢኹም: ነዚ ኹሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ንምቕራፍ ድማ: ዝያዳ ሓላፍነት ናባኹም ኢዩ። ነዚ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን: ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተዋሂቡዎም ዘሎ ስልጣን: ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ እቲ ዝበለጸ ኣሰራርዓን ውደባን ናባኹም ኢዩ ብምባል: ካብ’ቲ ንመጽናዕትን ሓደ ናይ ሓይሊ-ዕማም ንምውጻእ ኢሎም ክምእዝንዎ ዝሓሰቡ ዋዕላ: ብመንገዲ ጀነራል መስፍን ኣማረን: ኣባይ ጸሃየን መምርሒ ተዋሂቡወን ዝጸንሓ ፎዝያ ሑሴንን መርየም ዑመር (ውሪጥ)ን: ኣብ ዋዕላ ደብረዘይቲ ሓደ ኢትዮጵያ እትቆጻጸሮ ብስም ናይ መንእሰይ ሓይሊ ዝፍለጥ ውደባ ከተታኣታቱ እንከላ: ወያነ ኣቐዲማ ካብ ሽም-ኣልባ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእተወቶ ተስፉ ኣጽብሃ ዝተባህለ መንእሰይ: ናይ PH ዲግሪ ማዕርግ ትምህርቱ ኣቓሪጹ: ብወለንታኡ ምሉእ ግዜ ሂቡ ነቲ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክመርሖ ምኻኑ ብምንጻር: ነቲ ወያነ ባዕላ እትዝውሮ ናይ መንእሰያት ኤርትራ ምንቅስቓስ ዕላዊ ገይራቶ።
ወያነ: ነቲ ባዕላ ጠኒሳ ዝሓረሰቶ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ: ናታ ኢድ ከም ዘይብሉ ንኸተምስል: ናይ ፍሉጣት ኤርትራውያን ባርኾት ንኽህልዎ ብማለት: ንውሱናት መራሕቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነበረን. ሕጂ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ መንቆርዮስ ከም ዝራኸቡን: ናቱ ተሞክሮ ከም ዘቕስሞምን ብምግባር ብመንገዲ ኣምባሳዶር ሃይለ መንቀርዮስ ከም ዲፕሎማት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘድሊ ሓገዝ ከም ዝገበረሎም: ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዝመጽእ ለውጢ ተስፋ ኤርትራ ንሳቶም ምዃኖም ብምንጻር: ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ደሞዘይን: ካብ ናይ ስራሕ ኣበልን ዘጠራቐምክዎ ዝበሎ: ናይ $250,000 (ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ) ወፈያ ብምግባር: ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ብዝምቕማጡ ኢሰያስ ጸጋይ ዝቆጻጸሮ ኣብ ሕሳብ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ከምዝኣቱ ገይሩ ኣሎ።

ኢሰያስ ጸጋይ:- ብእንዳ ኣቡኡ ካብ ሰራየ ድባርዋ ገዛ ላምዛ ኮይኑ: ብእንዳ ኣዲኡ ካብ ኣከለ ጉዛይ ድግሳ ኢዩ ዝውለድ:: ናይ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝመደበሩ EMDJ ዝበሃል ዕጡቕ ሓይሊ: ከም ናይ ወጺኢ ዝምድናታት ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሕን: ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣባል ባይቶን ሓደ ካብ ፈጸምቲ ኮይኑ ዝተመዘዘን: ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን: ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 27 ወርሒ 12 2012 ኣብ ስዊዘርላንድን በልጅም: ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ወያነ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ዝቐንዐ ኣዕናዊ ስጉምቲ: ከም ቀንዲ ተዋሳኣይ ኮይኑ ዝሳተፍ ዘሎን: ኣብ ሓንቲ ካብተን “ዓበይቲ ኮኾባት” ኤርትራ ተባሂሉ ሚስጢራዊ ስም ተዋሂቡወን ዘሎ ከተማታት ኤርትራ: ኣዕናዊ ተግባራት ክፍጸሙ ምኻኖም መምርሒ ካብ ዝተቐበሉ ኣኼቤኛታት ሓደ ኢዩ ።

ኩነታት ብኸም’ዚ እንዳቐጸለ እንከሎ: ብስም ኣለና ዝብል ናይ ብርዒ ስም ኣብ መርበብ ሓበሬታት ዝጽሕፍ ዝነበረ ረዲእ መሓሪ:- ኣብ ከባቢ ካርነሽም ዝዓዱ ኣብ 1974 ናብ ህዝባዊ ግምባር ዝተሰለፈን: ኣብ ኢደ ስርሓት ተመዲቡ ዝተጋደለን: ድሕሪ ነጻነት ኣብ ማሕበር ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ተጠርኒፉ: ንግዳዊ ዋኒኑ ዘካይድ ዝነበረን: ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መደብ ህዝብን ፖሊስን: (ንእምኒ ናብ ወርቂ ክቕይር ዝፈተነ ጉዳመኛ ነጋዳይ) ብዝብል ኣርእስቲ: ንስእሉ ብምስናይ ኣቕሪባቶ ዝነበረት: ሕጂ ኣብ ካናዳ ዝቕመጥ ዘሎ: ምስ ኣበድ ተስፋይ ብምዃን: ኣበድ ተስፋይ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኮይኑ: ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ንጨንፈር ኢደ ስርሓት ዝመርሐን: ደሓር ካብ ኢደ ስርሓት ናብ ክፍሊ ህዝቢ ዝተቐየረን: ኣብ ድሕሪ ነጻነት ኣማሓዳሪ ፋብሪካ ሳቡናን ከተማ መንደፈራ ዝነበረን: ኣብ መወዳእታ እዋን ከኣ ኣማሓዳሪ ናይ ሓንቲ ንኡስ ዞባ ከተማ ኣስመራ ዝነበረን: ሕጂ ኣብ ሆላንድ ከተማ ሮተርዳም ዝቕመጥ ዘሎ ብምዃን: ምንቅስቓስ ግምባር ዓደቦ ዝመስረቱ ኢዮም።

ብዘይካ ረዲኣ መሓርን ኣበድ ተስፋይ: ኣብ ምስረታ ምንቅስቓስ ግምባር ዓደቦ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ: ሃይለ ተኪኤ ኢዩ:: ሃይለ ተኪኤ: ምቕማጡ ሃገረ ጀርመን ኮይኑ: ቅድሚ ምዕጻው መዓስከር ኣሜርካ ኣብ ጀርመን: ኣብ’ቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝሰርሕ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን: ድሕሪ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምውጽኣ: ኣብ ገለ እዋን ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝሰርሐ: ነቲ ምስ ስሙር ውድብ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ: ኣብ ክፍላ 2002 ዝተኣስረ ንኣምን ተኪኤ ሓዉ ኮይኑ: ኣብ ምንቅስቓስ ግምባር ዓደቦ ከም ሓላፊ ስለያን ምክትታል ኮይኑ ተመዲቡ ዝነበረ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ሃይለ ተኪኤ: ንነብሱ ከም ቀንዲ ኣባል ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ገይሩ ዝቖጽራን: ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ ኸኣ ብዘይሕብእብእ ዓው ኢሉ ብምዝራብ ዝጀሃረሉን: ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን: ናይ ቀረባ ዓርኪ ዘምህረት ዮውሃንስ ምዃኑ ዝንገረሉ: ድሕሪ ናይ 3 ወርሒ ዕድመ ምስረታ ምንቅስቓስ ግምባር ዓደቦ ካብቲ ምንቅስቓስ ዝተባረረ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃዱ ብመንገዲ ወያነ: ሃይለ ተኪኤን ሕሩይ ተድላ ባይሩን ዘካይድዎ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ሰሊጥ ንግዲ ሕርሻ: ንመሳለጢ ምንቅስቓስ ኣንጻር ተጻብኦ ኤርትራ ብዝብል ዕላማ ተፈቒድሎም: ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንግዳዊ ንጥፈታት ጀሚሮም ካብ ዘለዉ ሓለፋ ዘለዎም ጽላሎት ኢዮም።

ወያነ ኹሉ መደባቱ ብዋጋ ገንሸል ናይ ኤርትራ ዕድመ ስልጣኑ ብምንዋሕ: ካብ ሕጂ ብዘለማምዶም ዘሎ ብምስሉ ንዝሰርሖም ጽላሎት ኣቢሉ ኸኣ: ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ካብ ዘለዎ ጥሙሕ: ሕጂ ውን: ድሕሪ እቲ ናይ ደብረዘይቲ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ተቖጻጺሩ ኣብ ዕውልውል ምእታዉ: እነሆ ኸኣ ሕጂ: ካብ ዕለት 27 ወርሒ 12 2012 ክሳብ 29 ወርሒ 12 2012 ኣብ ስዊዘርላንድ ዝጀመሮ: ኣኼባ ኣብ በልጅም ብምቕጻል: ኣብ በልጅም ከኣ ካብ ዕለት 02 ወርሒ 01 2013 ክሳብ 19-01-2013 ኣብ ኣኼባ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ወያነ: ኣብ’ዚ ዝስዕብ መደምደምታ በጺሑ ኣሎ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዘሎ በዓል ስልጣን ወያነ: ሓደ ካብ’ቶም ላዕለዎት ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ኮይኑ: ገብረሃንስ ዝብሃል ናይ ኮሎኔል ማዕርግ ዘለዎ ኢዩ:: ንሱ ኣብ’ቲ ኣኼባ ከም ዝገለጾ: ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሃገርን ኤርትራ: ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኮኾባት ናይ’ታ ሃገር: ነቲ ስርዓት ንዕርበቱ ዘውስዶ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ:: ንስኻትኩም ከኣ ነዚ መደብ ድልዋት ብምኻን ንመሳርዕ መንግስቲ ሃጋፍ ቦታታት ኣመራርሓ ኣካላት ክትመልኡ ኢኹም ኣብ’ዚ መዳይ እዚ: ናይ’ዚ ብሕጂ ዝቐውም መንግስቲ ዋናታቱ ንስኹም ኢኹም:: ይኹን ድኣ ‘ምበር: ነዚ ሓድሽ እንስይሞ ዘለና መንግስቲ: ብላዕሊ ኮይኖም ክመርሕዎ ሓጺናዮም ዘለና: ኣስመላሽ ዮውሃንስን ልኡል ጋይምን ኢዮም ክብል: ነቶም ቀንዲ እሙናት ኣባላት ናይቲ ሕቡእ ምንቕስቓስ ሓበሬታ ብምሃብ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብ’ቲ ስቱር ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ እሙናት ዓለውተኛታት ጽላሎት ወያነ ኸኣ: እዞም ዝስዕቡ ኢዮም:-

ኣስመላሽ


በረኸት ካሕሳይ:- ግብጻዊ መቦቆል ከም ዘለዎ ዝንገረሉ: ካብ ሓማሴን ዝውለድ ምቅማጡ ዓዲ እንግሊዝ::
ኢሰያስ ጸጋይ:- ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ: ዓዱ ድባሩዋ:: ብእንዳ እዲኡ ከኣ ካብ ድግሳ ዝውለድ ምቅማጡ ዓዲ እንግሊዝ::
ብንያም:- ሽም ኣቦኡ ኣይረኸብክዎን: ኮይኑ ግን ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ኣባል ከቢድ ብረት መከናይዝድ ዝነበረ ኢዩ: ሕጂ ናይ PHD ትምህርቱ ዝቕጽል ዘሎ ምቕማጡ ዓዲ እንግሊዝ::
ረድኢ:- ካብ ብሄረ ብሌን ዝውለድ ኮይኑ: ኣብ ከረን ተወሊዱ ዝዓበየ ብኣዲኡ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ: ጓል ሓትንኡ እትብጽሖ ንሃብቶም ኣብርሃ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ. ሓላፊ ቖንስላዊ ጉዳያት በዓልቲ ቤቱ ኢያ ምቕማጡ ዓዲ እንግሊዝ::
ዶክተር ምሕረተኣብ በላይ:- ኣቐዲሙ ኣብ ዊዓ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝዝረበሉ: ቅድሚ 2001 ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ዝሰሪሕ ዝነበረ: ምቕማጡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ::
ዓብዱሰላም ኣል-ኣሚን:- ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣኽርያ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ: ኣብ ኣኼባ በልጅም ክመጽእ እንከሎ: ብናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማት ፓስፖርት ካሕሱ ሃይለሚካኤል ዝብል ስም ሒዙ ዝመጸ: ምቕማጡ ኣብ ሱዕድያ ኮይኑ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዘለዎ ኢዩ::
ዶክተር ሩት ባህታ:- ጓል 3 ዓመት እንከላ ናብ ሃገረ ጀርመን ፍራንክፈርት ምስ ስድራኣ ዝኣተወት ኮይና: ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ምሁራት ዋዕላን ከም ሰክረታርያት ኮይና ዝመርሐት: ናብ ጉዳይ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ናይ ስድራኣ ብዝሓዘቶ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መስመር ብምብጋስ: ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ክቱር ጽልኢ ዘለዋ: ኣብ ሃገረ ጀርመን ፍራንክፈርት እትቕመጥ መንእሰይ ኢያ::
ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ:- ኣብ 2001 ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ከም ዳኛ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረን: ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ናይ ሕጊ ትምህርቲ ዝወሰደን: ብመንግስቲ ኤርትራ ናይ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ንምቕጻል ብማህደረ ትምህርቲ ካብ’ቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተላእኩ እሞ: ንመንግስቲ ገዲፎም ካብ ዝተረፉ ሓደ ኮይኑ: ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ምስ ሓንቲ ኣብ በልጁም ዝመደበራ: Dr. Mirjam van Reizen ዝተባህለት ሆላንዳዊት: ኣብ European External Policy Advisors (EEPA) ዝተባህለ NGO ኣብ ጉዳያት ኤርትራ: ከም ናይ ኣማኻርን ናይ መጽናዕቲ ኪኢላን ብምዃን: ዝሰርሕ ዘሎ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንተንሃይም ብግዝያውነት ፕሮጀክት ሒዙ ዝቕመጥ ዘሎ ኢዩ::
ብርሃነ ተስፋዝጊ:- ኣቐዲሙ ኣብ’ቲ ብሰመረ ከሰተ ፕረዚደንት ማሕበር ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነበር ዝመስረቶ ምንቅስቓስ ኣባል መሪሕነት ዝነበረን: ኣብ ሽወደን ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ኢዩ::


ብዘይካ እዚኣቶም ክልተ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ምዃኖም ዝተፈልጡ ንግዚኡ ምሉእ ኣስማትም ምሕባር ኣብ መራኸቢ ቡዙሃን ኣድላይነት ስለ ዘይብሉ ወያነ ኣስሊኹ ብዝለኣኸሎም CDM ዝተባህለ ኤለትሮኒካዊ ናይ መራኸቢ መስመር skype ብምጥቃም: ካብ ኢርትራ ብምስታፍ ብመጸውዒ ኮድ ኣስመራ 1 ን ኣስመራ 2 ን ዝብል መጸውዒ ተጠቒሞም: ክልቲኦም ኣብ’ቲ ብናይ ነዊሕ ርሕቀት ርክብ skype ኣብ’ቲ ኣኼባ ናይ በልጁም ተሳቲፎም ኢዮም።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኣኼባ: ብዘይካ ኮሎኔል ገብረሃንስ: ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቴድሮስ ገብረኪዳን: ኣብ ኤርትራ ናይ ዝትከል ስርዓትን ኣቓውማኡን: ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ኣስተምህሮ ክህቦም እንከሎ: ልኡል ጋይም ከኣ: ውደባን ኣሰራርዓኡን ብዝምልከት: ብskype ካብ ኢትዮጵያ ኣስተምህሮ ሂቡ:: እቲ ብመጸውዒ ኮድ ኣስመራ 1 ኢሉ ካብ ኤርትራ ዝተሳተፈ ኸኣ: ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
እዚ ርክብ ‘ዚ ኣብ’ቲ ኣብ በልጁም ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ካብ ዕለት 02-01-2013 ዝጀመረ ኢዩ ተኻይዱ:: እቲ ኣኼባ ኣብ ሆቴል ዘይኮነ ኣብ ሓደ ጌስት ሃውስ ናይ ማሕበራት ኢዩ ተኻይዱ:: ዕለተ ርክብ ኸኣ ኣብ ዕለት 04-01-2013 ካብ ሰዓት 19:00 ድሕሪ ቐትሪ ክሳብ ሰዓት 22:30 ተኻይዱ::
ብዕለት 05-01-2013 ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ኣኼባ: ብሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ ኮሎኔል ገብረሃንስ ንውሽጣዊ ኩነታት ናይ’ቶም ተሳተፍትን ህልዊ ዝምድናታቶምን ብዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ክህብ እንከሎ: ካብ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ኣንትሮፐን ዝብሃል ኣብ በልጁም ዝርከብ ሆተል ኢዩ ተኻይዱ:: ንሱ ኣብ መደርኡ ድሕሪ ሕጂ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝብሃል ይኹን: ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣሎ ኢሎም ክሓስቡ ከም ዘይብሎምን: ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ለውጢ ብቐጥታ ነቲ መንግስታዊ መሳርዕ: እዞም ብሕቡእ ሚስጥራዊ ኩነታት ዝተኣኻኸቡ ዘለዉ ከም ዝመርሕዎን ከም ዝቆጻጸሩዎን ኢዩ ኣብሪሂሎም:: ነዚ ብመርትዖ ኣሰንዩ ክገልጾ እንከሎ ኸኣ: ብድሕሪ ሕጂ ዝካየድ ካብ’ዚ ምትእኽኻብ ናይ ሕጂ ወጻኢ ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ባይታ ከም ዘይብሉን: ህላዌ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ተደናገጽቱን ብመንገዲ ኣካይዳኦም ልምሰቶም ከም ዝተኻየደ: ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከኣ ትንፋሱ ካብ ዝሓጽሮ ዓመታት ከም ዝወሰደ: ስለ’ዚ ሚስጢር ብምዕቃብ ኣብ ዓወት ንዝበጽሕሉ ኩነት ኣብሪሁ:: ብተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ‘ውን መሊሱ:: ዝቐረቡ ሕቶታት ንምድጋፍ ዝእምቱን ብተደጋጋሚ ንተርባጽ ህንጡይነት ተሳተፍቲ ዘነጽርን ኢዩ ነይሩ::

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቴድሮስ ገብረኪዳን: ኣብ’ቲ ብዕለት 07-08-2013: ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ ኣስተምህሮ: እዚ ሓድሽ ብሙስጡር መንገዲ ዝቖውም ዘሎ ንመንገስቲ ኤርትራ ንምትካእ ተባሂሉ ዝወዳደብ ዘሎ ሓይሊ: ኣብ ዲፕሎማስያዊ ርክባቱ ክኽተሎ ዘለዎ መንገድን: መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትገብረሉ እትኽእል ሓገዝን ንድፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲታቱን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ክህብ እንከሎ: ህላዌ ኤርትራ ኣብ ትንፋስ ኢትዮጵያ ዝተሓንገረ ብምዃኑ: ንሕና ነቲ ባዕልና ዘረከብናኩም ስልጣን ናይ ምሕላውን: ምቁጽጻርን ምትሕግጋዝን ዕማምና ኣይክፍለየኩምን ኢዩ: ምሳና ዝህልወኩም ዝምድና: ከም ናይ ሓደ ስድራ ቤት ዝምድና ኣቦን ወድን ገይርኩም ካብ ሕጂ ክትርድእዎ ኣለኩም ክብል ደርጊሑሎም::

ኣብ’ቲ ብዕለት 11-01.203 ብልኡል ጋይም ብመንገዲ skype ካብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣስተምህሮ: ውዳቤ ኤርትራዊ ምንቅስቓስን: እዚ ሕጂ ተኣኻኺቡ ዘሎ ምትእኽኻብ ክኽተሎ ዝግባእ ናይ ኣወዳድባ ስልትን: ንቐጻሊ ኣብ ኤርትራ ንዝህሉ ናይ ምምሕዳር ትካላት ክህልዎ ንዝኽእል ቅርጻን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣብ ዝሃበሉ እዋን: ቓል-ንቓሉ ንትካላት ምምሕዳር ኢትዮጵያ ከም ሞዴል ክጥቀምሉ ምዃኖምን: ካብ ኢትዮጵያ ኸኣ ዘድሊ ሓገዛት ክግበረሎም ውዱእ ስምምዓት ከም ዘሎ ኣነጺሩሎም::

ካብ’ቶም ክልተ ብመጸውዒ ኮድ ብኤለትሮኒካዊ መሳርሒ CDM skype ካብ ኤርትራ ዝተሳተፉ ሰባት: እቲ መጸውዒ ኮድ ኣስመራ 1 ኢሉ ዝኣተወ: ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ መብርሂ ክህብ እንከሎ: ንሱ ኣብ መግለጺኡ: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ኣመራርሓ መንግስቲ ዘይ ከም ናይ ትማሊ ዝምድናታቱ ዝተበታተኸን: ስኒትን ሓድነትን ከም ዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ: ንኽካየድ ዝኽእል ዝኾነ ስሪሒታት ንምትግባር ጸገም ከም ዘይብሎም ኣረዲኡ:: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኸኣ ዝተወደበ ሓይሊ ከም ዘለዎም ኣብሪሁ::

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ: ወያነ ነቶም ንገለ ሰብ ማል ኣብ ቀንዲ ምንቅስቓስ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሰፊሕ ከም ዝሰርሑን ከም ዝዋስኡን ንምግባር ንኽትጥቀመሎም ካብ ዘለዋ ጥሙሕ: ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ብምኽፋት: ሓደ ሰፊሕ መርበብ ናብ ኤርትራ ዝተዘርገሐ ርክብ ከም ዝኸፈተት ኣብ’ቲ ኣኼባ ተገምጊሙ ኢዩ:: ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ. ብዕለት 02 ወርሒ 01 2013 ኣስታት ሰዓት 11:37 ብናይ በርሊን ኣቆጻጽራ: ኮሎኔል ገብረሃንስ ነቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ነጋዶ ንግዚኡ ኣስማቶም ናብ ግዳም ክወጽእ ዘይደለኽዎም ሰባት: ብናይ ኢንተርናሽናል ሳተላይት ተለፎን ክረኽቦም እንከሎ ክተባብዑ ከም ዘለዎምን: ንኹሉ እንተታት ክዳለዉ ከም ዘለዎምን ኢዩ ሓቢርዎም።

ወያነ ኣብ መደብ ካብ ዘእተወቶ ሓደ ከም ዛዕባ ዝተላዕለን ክርከብ ዝተኻእለ ሓበሬታን: ኣብ ምዕራባዊ ግምባር ኤርትራ መጥቃዕቲ ከተካይድ ምዃናን: ብፍላይ ከኣ: ኣብቲ ዕደና ዝካየደሉ ቦታታት: ሱልዃ ከተካይድን: ንኣውፈርቲ ብምስንኻል: ንወፍሪ ዕደና ከተሰናኽል ምዃና ሓበሬታ ኣሎ:: ብዘይካ እዚ ንምንታይ ዕላማ ምዃኑ ዘይተነጸረ: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዓቐኑ ክንደይ ምዃኑ ዘይተፈልጠ ዕጡቕ ሓይሊ ከም ዘለዎም: ኣስማትዃ’ ኣይነጸር ‘ምበር: ንገለ ሰባት ዝሸመትዎም ከም ዘለዉ ክርዳእ ኪኢለ ኣለኹ ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ’ዚ ዝብሃል ዘሎ ምዕራባዊ ግምባር ኤርትራ: ወያነ ንሓገዝ ናይ’ቲ ኣሃዱ ኢላ ብርክት ዝበላ መካይንን ነዳድን: ካልእ ኣጽዋርን ቀሪባ ከም ዘላ ሓበሬታ ኣሎ። ብዘይካ እዚ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ዘተኮረ: ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ንምውሳድ ‘ውን እማመ ከም ዘለዎም ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወያነ ነዞም ኣብ ላዕሊ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ: ኣብ ኣኼባ ስዊዘርላንድን በልጁምን ዝተሳተፉ ጽላሎታ: ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን: ኣሰራርሓ ዲፕሎማስን ንዝማዕበለ ኣገባብ ኣስተምህሮ ንኽወሃቦም: በብእብረ ብኮርስ መንገዲ ናብ እስራኤልን: ዩጎዝላቪያን ብምልኣኽ ንዝያዳ ትምህርቲ ክትልእኾም ምዃና ወሲና ኣላ::

እዚ ኣኼባ እዚ ካብ ዕለት 27-12-2012 ክሳብ 19-01-2013 ክቕጽል እንከሎ: ክሳብ እዚ ኣኼባዚ ዝዛዘም ከኣ: ወያነ ከም መደባ ነቲ ንይምሰል ኣቐዲማ ዝሰርሓቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጢ ዝፈርሰሉ ኣገባብ ብምምድማድ: ነቶም ኣብ ውሽጢ ናይ’ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ጸፍያቶም ዝነበረት ሕሩያት ኣባላታ: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ኣይሰርሕ ኣየስርሕ ኮይኑና ብዝብል ምኽኒት: (ሓቅነት ናይ ዝቐረበ ምኽኒት ብዘየገድስ) ነቶም ኣብ’ዚ ሓድሽ ብሙስጡር ሕቡእ መንገዲ ትሃንጾ ዘላ ንስርዓት ኣስመራ ክትክእ ኢላ እተቑሞ ዘላ ምትእኽኻብ: ብጉልባብ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጢ ኣባልነቶም ከም ዝስሕቡ ብምግባር: ነቲ ናይ ኤርትራዊ ዓቕሚ ደምበ ተቓዉሞ ተስፋ ከም ዘይህልዎን: ብቐንዱ ኸኣ ኤርትራዊ ሃገራውነቱን: ኤርትራዊ ሓርበኝነቱን ለሚሱ: ኣብ ኢትዮጵያዊ ሕልቕነት ተሓንጊሩ ከም ዝተርፍ ንምግባር ሓያል ጉዕዞ ትሰርሓሉ ኣላ::

ነዚ ንምድማቕ ኢዩ ኸኣ ሚኒስተር መራኸቢታት በረኸት ስምኦን: ኣብ paltalk ቀሪቡ ካብ እዞም ኣባታዊ ሕድሮ ደምበ ተቓዉሞ: ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ከም ዘይብሉን: ተስፋኡ ክትግበረሉ እንተኾይኑ ካብ ኢትዮጵያ ኢዩ:: ኢትዮጵያ ኸኣ: ዝከኣላ ክትተሓጋገዝ ምዃና ኣብ ዘስተምሃረሉ እዋን: ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ነገር እንተሃልዩ: ኣብ ዝኾነ ብኤርትራውያን ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ፐቲሽን ወረቓቕቲ ብምድላው: ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ከም ዝተርር እንተትገብሩ: ንዓና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ሓገዝ ምኾነና ብምባል ከብርህ እንከሎ: ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ስብሓት ነጋ ‘ውን: ብተመሳሳሊ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ወደብ ዓሰብ ዘይኮነስ ብቐንዱ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ህዝብና ክብል ንዝሃቦ መግለጺ: ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ መርገጽ ዘነጽር ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኢዩ::

ኣብ ናይ በልጅም ኣኼባ. እታ ዓቢ ስሪሒት ክካየደላ ኢዩ ዝብልዋ ዘለዉ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኮኾባት ኤርትራ ኢሎም ዝምስልዋ ዘለው: ዓቢ ስሪሒት ንምክያድ ይዳለዉ ከም ዘለዉ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ::

ኮይኑ ግን: እዚ ኣብ ዕለት 21-01-2013 ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝተረኽበ ተረኽቦ: ምስ ወያነ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ: ምምሕዳር ኣስመራ ኣብ ቲቪ ኤረ ኣብ ዘካየዶ መግለጺ እዃ እንተ ኣተንብሆ; ባዕሉ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ብዝተፈላለየ መልክዑ: ነቲ ናይ 21 ጥሪ ተረኽቦ: ስዉር ተቓዉሞኡ ኣግሂዱ ኢዩ:: እዚ ኸኣ ድሕሪ ጽባሕ ተረኽቦ 21 ጥሪ: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበሩ ንመራሕቲ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን: ጀነራል መስፍን ኣማረ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ጸዊዖም: ንሕና ዘይንፈልጦን ዘይንቆጻጸሮን ንለውጢ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ:: ንምንታይ ዘይሓበርኩምናን ዘየፍለጥኩምናን ብማለት: ኣቲ ኩነታት ክሳብ ዝገሃደሎም ንሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ካብን- ናብን ከም ዘይንቀሳቐሱ ብምግባር: ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝጸንሑ ገይራቶም ኢያ::

ማዕረ ማዕረ ናይ’ዚ ኩነት እዚ ኸኣ: ብወያነ ኣብ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ www.aiga.com ኸኣ: ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምስ ዝእለ ዲዩ ረብሓ ዘለዋ: ወይስ እዚ ዘሎ ስርዓት ኣብ ስልጣኑ ምስ ዝቕጽል’ዩ ብማለት: ‘’ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ: እትፈልጦ ሰይጣን’’ ብዘስምዕ: ሓደ ናይ ሓቤረታ መአከቢ ሳንዱቕ መሕትት ኣድላዩ ነይሩ:: ብዘይካ እዚ ኸኣ ወያነ: ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንምህዳድ: ብዕለት 05-02-2013: ኣብ ከባቢ ባድመ: ፍሉይ ስሙ ቢያራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ: ወትሃደራዊ መናውራ ከተካይድ እንከላ: ኣብ ዕለት 22-02-2013 ከኣ ብውሳኔ መሰረት: ኩሉ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስን ለውጥን እትህቦ ዝነበረት ኩለንትናዊ ሓገዝ: ከም ዝለምስን ደው ከም ዝብልን ገይራ: ነታ ብምትሕብባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ክዳንን ዝፍነዋ ዝነበራ ተለቪጅን ደሃይ ኤርትራን ራድዮን ከመ ቕጽበት ዓጽያተን ኣላ::

ማዕረ ማዕረ እዚ ኣካይዳ ‘ዚ ኸኣ: ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጸፍያቶም ዝነበረት ጽላሎታ: ብመምሪሒኣ መሰረት ካብ’ቲ ባይቶ ከም ዝስሕቡ ብምግባር: ናብ’ቲ ብምስጡር ትውድቦ ዘላ ኣብ ስዊዘርላንድን በልጅምን ዝጠጀኣቶ ጉጅለ ንምጥርናፎም: ነዞም ዝስዕቡ ብመምሪሒኣ ተኣማንነቶም ብምርግጋጽ ኣባልነቶም ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስን ለውጥን ንኽወጹ ዝገበረቶም: ኣቐዲማ ብፎዝያ ሓሰን ዝጀመረቶ ውደባ ብምስፋሕ: እዞም ዝስዕቡ ማለት:-

ፎዝያ ሓሰን
ኣበባ ኣብርሃ
ህይወት
መስፍን ፍትዊን ካልኦትን ብሕጂ ‘ውን ዝቕጽሉ ሰሓብቲ የእዳው ዘለዉዎም እቲ መስርሕ ክቕጽል ኢዩ::


ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ እዚ መውሰዲኣ ኸኣ: ነቲ ኣብ ኣኼባ ስዊዘርላንድን በልጅምን ተዕኹኾ ዘላ ሓድሽ ምስጡር ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ንምዕባይ ንኽጥዕማ ብማለት: በቲ ኣቐዲማ ዝጸረገቶ መንገዲ ኢያ ኣካይዳቶ:: ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ካብ ዝወደበቶ ናይ ኣሰራርሓ ስልቲ: ኣብ’ቲ ኤርትራዊ ንጉዳይ ሃገሩ ኣመልኪቱ ምይይጥ ኣብ ዘካይደሉ ባይታታት: ኣቐዲማ ዝጸፈየቶም ሰለይቲ ከም ዘለዉ ‘ውን ሓበሬታ ኣሎ:: ካብ’ዚ ኦቶም ከኣ እቶም ኣብ ሽወደን ዝምቕማጦም

መሓሪ ኣብርሃም ኣቕራቢ መደብ ቲቪ ዘተ ኣብ ሽወደን
ሰሎሞን ኣርኣያ Admin Eritrean smerrr for change Room: ምቕማጡ ኣብ ሽወደን ኮይኑ: ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ንኣፍዓበት ኣብ ዝሓረረሉ 1977: ምስ ወላዲቱ ናብ ክፍሊ ህዝቢ ዝኣተወ: መቦቆሉ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ: ኣቡኡ ወትሃደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኢዩ:: ኣብ ቀጻሊ ዕድሚኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ሽወደን ስሩዕ ደሞዝ ዘለዎ ኢዩ: በዘይካ እዚ: ሰሎሞን ኣርኣያ ነቲ ንታሪኽ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተቓለስቲ ዝበለለን: ኤርትራውያን ናብ ኤምባሲታት ኤርትራ ኣትዮም ብሓዊ ከቓጽሉ ከም ዘለዎም መምርሕን ሓሳብን ንዝህብ ዝነበረ: ብስም ናይ ብርዒ ስም pilot-104 ዝፍለጥ በርሀ ተኪኤ ቀንዲ መሳርሕቱ ተኸላኻላይ ናቱን ኢዩ::
በርሀ ተኪኤ ብስም ናይ ብርዒ ስም pilot-104 መቦቆሉ ትግራዋይ ኮይኑ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግምባር ዝነበረ ኢዩ:: ሕጂ ከኣ: ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዘሎ ቀንዲ ኣባል ስለያ ወያነ ኢዩ::
ኤፍሬም መሓሪ ብተመሳሳሊ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ኮይኑ: ብመንገዲ መሓሪ ኣብርሃም ናብ ናይ ወያነ ሰለያ ማእከል ተወዲቡ ዝነጥፍ ዘሎ: ብተመሳሳሊ Admin Eritrean smerrr for change Room ኢዩ::


ብዘይካ እዚኣቶም: ኣብ መደብ paltalk ዓቢ ሱታፌ ዘለዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን: ጽቡቕ ምልከት ትግሪኛ ዘለዎም ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝሰርሑ ኣባላት ወያነ: ኣብ ናይ ኤርትራውያን paltalk መምርሒ ዝህቡን: ኤርትራውያን ተመሲሎም ንመደባት ኢትዮጵያን ዝሰርሑን ብዙሓት ኣለዉ::

መደምደምታ: ሓበሬታና ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ክሳብ ዝኾነ: ንሕና ኤርትራዉያን ንለዉጢ ብኸመይ ንደልዮ ከም ዘሎና ‘ዉን ክምለሰልና ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ንሕና ከም ኤርትራውያን ሃገራውያን: ጽሟቕ ናይ ዝርዝር ሓበሬታና ኣመሓላሊፍና ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መጠን እንታይ ይሓስብን: ይውስንን ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕደግ ጉዳይ ‘ዩ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ምዕዶን ዘድልዮ ዘይኮነ ጽጹይ ሓበሬታ ምቕባል ኢዩ ዘድልዩ:: ስለ ዝኾነ ኸኣ: ሓያል ብድሆ ካብ መንግስቲ ኣዲስ-ኣበባን ወይጦታቱን ከጋጥሞ እዩ። ኣስማት: ዕለትን: ቦታን: ስዓትን ተዘርዚሩ ስለዘሎ: ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ዕለት እቶም ልዒሎም ኣስማቶም ዝተረቕሑ ሰባት: ኣብ ከባቢኹም ዝነበሩ እንተኮይኖም ከተራጋግጽዎ ቀሊል ኢዩ።

ናይ በልጅም ኣኼባ ውሽጣዊ ስርሓቱ ጌና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ:: እታ ዓቢ ስሪሒት ክካየደላ ኢዩ ዝብልዋ ዘለዉ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ዓበይቲ “ኮኾባት ኤርትራ” ኢሎም ዝምስልዋ ዘለው እንታይ ክካየድ ኣርጊጽና ፈሊጥና ኣለና:: ብንጹር ከኣ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሽርሓዊ ውጥናቶም ከተግብሩ ክፍትኑ ኢዮም። ኮይኑ ግን ኣቐዲምና ነቒሕናሉ ስለ ዘለና: ወያነ ዋላ ንመደባቶም ንምትግባር: ቦታታት ክቕይሩ እንተፈተኑ: ግሎባለይዘሽን ንዓለማና ንቁሸት ስለ ዝቕየራ ግን: ዝቐየሩ እንተቐየሩን: ከም ሓዊ ዝልብልብ ውጥናት እንተሓንጸጹን: ኣብ ኣፍንጭኦም ኮይና ነሻትቶም ስለ ዘለና: ወያነን ጽላሎቶምን ናብ ዘብልዎ የብሎምን። ‘’ዕርፍካ ኣጽንዕ!!!’’ ኢዩ እቲ መልእኽቲ።

ካብ ግዱሳት ተጸናጻንቲ
እከይ ተግባራት ወያነ
IP: 81.152.184.232     Last edited: 03:32 PM - Mar 09, 2013     Edit

First Name mh to Eritrean Ngermany
Date 12:56 PM - Mar 09, 2013
Comments
The article you posted on dehai about the Weyanities is great and informative. These people and their meetings are nothing more than an empty loud noise. Thanks to the internet they appear something big and important on paper, but in reality they are just a bunch of losers worth nothing. Experience is very important. We, Eritreans, have a lot of experiences to be easily fooled. They might be able to fool some people some of the time but they can not fool all the people all the time, especailly Eritreans.
IP: 64.134.185.51     Last edited: 03:32 PM - Mar 09, 2013

First Name abeden
Date 11:49 AM - Mar 09, 2013
Comments
ንኺድ ደኣ ንዙራ ሃገርና… ፡
Series 22 መገዲ ደቀምሓረ - ማይ ሓባር- ነፋሲት(ርሕቀት ብኪሜ)
ቀይሕ ኮር 7
ሰሳሕ 10
ዓላ 15
ጋዴን 17
ባዚት 23
ማይ ሓባር 35
ላዓቴን 45
ነፋሲት 47
IP: 71.231.27.244     Last edited: 04:47 PM - Mar 09, 2013     Edit

First Name Warsay+Ykaalo
Date 01:03 AM - Mar 09, 2013
Comments
jart,
Some people believe throwing stones against each other would scare the enemy, although it is loaded with the opposite effect. By now we should have learned that a rough iron can not smoothen wrinkles.

Gomida Hager,
Thanks for your deep and exceptional theory on each and every line of your statement. As they carry vast information of our history,I wish you would develop the contents line by line to your readers for educational purpose, on the near future.
IP: 79.102.31.221     Last edited: 09:24 AM - Mar 09, 2013

First Name abeden
Date 09:07 PM - Mar 08, 2013
Comments
ንኺድ ደኣ ንዙራ ሃገርና… ፡
Series 21 መገዲ ደቀምሓረ - ዓዲ ራእሲ- ተራእምኒ(ርሕቀት ብኪሜ)
ዓራቶ 8
ኮርባርያ 12
ኣድግና 13+4=17
ዓዲ ንፋስ 18
ዓዲ ራእሲ 21
ሓሬነገደለ 22
መረብ 24
ተራእምኒ 29
IP: 71.231.27.244     Last edited: 12:32 PM - Mar 09, 2013     Edit

First Name GOMIDA-HAGER
Date 04:02 PM - Mar 08, 2013
Comments
ንሰራዊት ግዳም !! ….. ድሕሪ ኣወል ከኣ ( ካልኣይ ! )

እጸ ሃገር (b/d)
-------
ድባኻ መጺያ ቅድመ-ታሪክ
በለቕ ሊሒሳ ዳህሊክ** ሴማቲክ
ሃማቲት ተዘዋዊሑ ሳግመ ኩሽ
ጁኽ ካምኣዊ መርጒ ሓድሽ፣
ፈለግ ፋርስ ትንግርተ ትግሪስ
ርዝዒ ማርሳ ስርወ ኣዶሊስ
ትግርኛ ሰብ ነጋሪቱ
ድባርዋ ባህረ ነገስቱ፣
ሹማግለ ሕዳርብ መንሳዕ ሃደንዳዋ
ደጋልል ድገ ሓለንጋ ራህዋ
ኣስገደ መንሳዕ ኣገው በጎስ
ናባትብ ብሌን ሰብ መጎስ፤

ሰላጢን ትግረ ናይባት ጎልሊሻ
ራሻይድ ሕጃ ዓፈረ- ደንከል ወሪሻ
ናራ- ባርየታይ ኒሎ-ሰሃራዊ
ባዛ‘ኸ እቲ መበቆል ጥንታዊ፣
ንግስነተ ባዜን ቀሪም ኩናማ
በዱ-ማይ ሰቲተ ጋሽ ብጽልማ
ቝልዒ ጥብታ ዘርኢ ቃድራ
ዋልካ ዝጠዓመት ነዊሕ ዕምራ፣
ኣግኣዝየነ ኵድጭ ዘጥንቲ
እጸ-ፑንት ጕጭ ዘራእቲ፣
ውቅብቲ መሬት ጸብርና‘ያ
እጽብቲ ሃገር ኤርትርያ።

---------------**…{Dahlik „ሃካና ዳህሊክ“….ድማ „ጐውግል/ሊ!“}
http://llacan.vjf.cnrs.fr/fichiers/Senelle/Dahalik_shaebia05.pdf
---------------------------

PS፡. . . የቐንየልና የሕዋት!!ነቲ {„ ግድን ክስማዕ ዘለዎ መደረ „} PALTALK ዝዓደምኩምና!
IP: 91.60.241.214     Last edited: 05:56 PM - Mar 08, 2013     Edit

First Name jart
Date 02:04 PM - Mar 08, 2013
Comments
WHY DO SOME ON THIS WEB SITE USE FOUL LANGUAGE WHEN RESPONDING TO COMMENTS BY OTHERS HAVING OPPOSING VIEWS.ALL ARE ENTITLED TO THEIR VIEWS AND OPINIONS.
IP: 173.66.154.148     Last edited: 02:46 PM - Mar 08, 2013

First Name abeden
Date 12:18 PM - Mar 08, 2013
Comments
Zogonfo,
I was not in the seminar in Vancouver, BC, but I heard the hasus attempted to stop the seminar by seeking to block our Sophie from even landing in Canada for a lame excuse - listen to this - "being anti-Semitic"! The hasus are so desperate and visibly frustrated they like to play the ferenjis by what they believe will ring a bell. How pathetic and idiotic can these sellouts be?
IP: 162.58.82.135     Last edited: 04:32 PM - Mar 08, 2013     Edit

First Name mh
Date 11:48 AM - Mar 08, 2013
Comments
Though the cowardice and terrorist attack against the Eritrean community centers in Sweden stem out of frustration and desperation, at the same time it was meant to demoralize and intimidate the Eritrean people. Based on these facts the perpetrators have to be non-Eritreans and specifically a Weyane. I for a second do not fanthom an Eritrean would do something like that. It is not in our culture or value. We have never ever done such cowardice and terrorist attacks to our enemies in our worst times of our struggle. This act was done by Weyane or one of the west evil masters.

Lesson to be learned is, that one can not intimidate or demoralize Eritreans as history has proved it. We will not and can not be derailed from our path. The CAMEL will continue to march on the path of ever success, whether they like or not........
IP: 64.134.185.51     Last edited: 02:46 PM - Mar 08, 2013

First Name ሕድሮም
Date 10:54 AM - Mar 08, 2013
Comments
Abeden, thank you for driving me in the Eritrean country side. To be honest, I thought I knew Eritrea. But after you took me driving through the Eritrean country side, now I know I have a lot more of driving to do to know the beauty and the hidden potential of Eritrea.

Tell me Abeden, how long before the Eritrean highway system is to cover Eritrea like “AINI ARAT”? Shall I say, give or take 10 years? You bet, the 20-years old Eritrea shall be the envy of Africa in all aspects of nation building.

Thanks Abeden, for taking me down the memory lane.
IP: 173.18.110.95     Last edited: 05:20 PM - Mar 08, 2013     Edit

First Name ፓረሑ ዘ ፑንት
Date 10:10 AM - Mar 08, 2013
Comments
(ብዛዕባ Google Earth ሎሚ‘ውን ቑሩብ እምልእ‘ነኹ።)

ሃብሮማት. ደሃያውያን!

መነ መንኩም ምስ [ጉግል-አርዝ] ሌላ ኣጽኒሑ፣ ብዝሕብር ርኢቶታትኩም፣ ድርኺት እንተ ረኺበ መቸን፧ !!!!! ብKMZ-file ካብ ዝለለዩን ዝፍለጡን፣ ብነብሰይ ዘዳልኹዎ ዓይነታዊ= sample!![ጉግለ-አርዝ-ፋይል-ፓረሑ ዘ ፑንት ዳት KMZ] ጠዓሞት !!!ንመበጋጋሲ ዝኸውን፣ ክጋብዘኩም ይዋደድ ኣለኹ፤ ነታ ዝቕርበልኩም ፋይል ክፍት ኣቢልካ፣ ትኽ!! ኢልካ ኣብ ትፈትዋ፣ ጎሊሑ ብዝተሓንጸጸ ዶባት!! ዝ ተ ኾ ል ዐ ት ሃገርካ ዳርጋ ተንጥበካ ስለ ትዀነልኩም በስ፣ ንተኽእሎታት እዚ ፕሮግራም ዘይድነቕ ኣይክህልወኩምን‘ዩ (ኣስተርህዩ ይፈልጦ ንዘይጸንሐ ብፍላይ!)ድማ ክብለኩም እደፍር።

ልብኻ ዝምስጥ ዜና ምዕባለ ሃገርካ ብቴሌቪጅን ትከታተል ወይን ተንብብ‘ሞ፣ “Adi-(XYZ) village is located some (XXVI) Km. South-west of ABC semi-urban center.” ምስ በጻሕካ፣ ነታ ተሰመየት ዓዲ ክተርኽባ (ሰፈራ ክተለልዮ) ብዘይምኽኣልካ ኣይትጒሁን’ዶ፧ ብፍላይ ከምዚ ክማይ ስለ ዘይዓበኹላ “ቱሪስት” ዘፍቅራ ሃገሩ!! ምስትዀኑስ፣ ነታ ኣብ ዜናታትና ከም ቍሸት -“ራ”- ተባሂላ ተንግረላ [Ra village, which is inhibited by 140 families, is located some 30 Km. north-west of Ti’o semi-urban center] ንጃግራፊኣዊ ቀጥታዊ ኣድራሽኣ ኣመልኪትኩም (ምናልባሽ መበቆላዊ ስማን ምኽኒታቱን ንምምርማር)… ሕጽረት ኣጋጢምኩም ስለ ትዕንቀፉ ወይ’ውን ኣገዳሲ ታሪኻዊ ቦታ ከም ድፋዓት ኣሾርም Ashorm trench [ስርሒት Nadew 1988] ኣበይ ኔሩ፧ ብትኽክል ክትፈልጥዎ ኣብትህንቀውሉ እዋናት፣ ኣንፈቱ ብምስኣንኩም ኣንጽርጺርኩም ትፈልጡ’ዶ፧ ብጻዕሪ ግዳስ መብዝሕትኡ ተኸኣላይ‘ዩ።

ንጽቡቕ ብምህንጣይ የሀውትተኩም ከይህሉ’ምበር፧...እስከ መጀመርታ፣ በቲ ኮርኢዳ abeden ዘቕርቦ ዘሎ Series 1: ዓዲ ጓዕዳድ 7 (km) ንበገስ‘ሞ፣ ክሳብ Series 19 ሒላት 95(km) ኦምሓጀር 110(km) ቀስ እናበልና ኣብ Google Earth ነናድየን( ከም መንም ሓድሽ ምያ፣ ክሳብ ትመልኮ ሓያል ዓቅሊ!! ክምዝሓትት ብሩህ ኰይኑ)፣

(ዘርባ ህዉኽ ምእንቲ ከየምስለለይ፣ ህድእ ኢልኩም ከኣ ነቲ ዘርባይ መእንቲ ክተድህቡሉን፣ ድሕሪ ሳልስቲ ሓጺር መዛዘሚ ክሳብ ዝምልኣሉ ርሑስ „መዓልቲ ድቀ-ኣንስትዮ“ ንኹልና እምነ!!!)

ትሑት ሓውኹም

*
IP: 93.80.214.241     Last edited: 02:33 AM - Mar 09, 2013     Edit

First Name haqqi
Date 09:30 AM - Mar 08, 2013
Comments
MAHMOOD SHERRIF: It was an honor to take my children to their mother and father country, Eritrea, this past summer. My beloved wife and I were afraid that as parents our children may experience or feel some kind of culture shock due to SHORTAGE OF THIS OR THAT but our concern never mattered because Eritreans as people and nation are not only civilized, matured, disciplined, secured, but ready for a better tomorrow. Then Mahmood Sherrif if that is the case of Eritreans as people and nation then: WHY ARE SOME ERITREANS UPON ARRIVING IN THE STREETS OF THE WEST FALLING OR BEHAVING AS THUGS, DRUG ADDICTS, ALCOHOLICS, OR SELF DESTRUCTORS; IS THESE THUGGERY OR SELF DISTRUCTIONS SOMETHING THEY HAVE LEARNED IN THEIR CITIES, VILLAGES, SAWA, OR SH-TMELBA; Is these thuggery or self distructions influences come from the villages, cities, Sawa, or by some paedophiles that are working day and night to poison the Eritrea youth as so called JOURNALISTS, OPPOSITIONS, NGO'S, HUMAN RIGHTS, AND RELIGIOUS RIGHTS. Mahmood Sherif: as an Eritrean citizen and well wisher for your people your concenrs are well taken but it is only some percentage. As I explained my son when he asked me why many countries love Ethiopia more than Eritrea, I have to explain him in the simple english language or horn of Africa politics and here how I explain to him, "WOULD YOU RATHER HAVE 90 MILLION CAKES FOR FREE OR 5 MILLION CAKES FOR $1.99", AND MAHMOOD SHERIF THAT IS WHERE THE POLITICS AND CAUSE-AND-EFFECT OF THE HORN OF AFRICA IS AS OF TODAY. THANKS
IP: 172.222.149.30     Last edited: 09:59 AM - Mar 08, 2013

First Name ሕድሮም
Date 08:33 AM - Mar 08, 2013
Comments
“Happy International Women Day“, Eritrean Mother! Under God/Allah the Almighty, you are the beacon and the lighthouse of TESFA and the anchor of TSINAT. The Eritrean Mother, as gentle and peaceful as dove and tigress when it comes to defending her den. Thank God/Allah, you are mine!

To Celebrate both the outer and inner beauty of the Eritrean Mother, here are your children to show it all and tell it all about you. To honor you, the Eritrean Mother, and make Eritrea shine brighter for all to see, here are your children, the Eritreans, all over the world to celebrate the International Women Day.

(1) International women Day in Denver Colorado, March 9, 2013.

(2) International Women's Day in London UK. Date;- 09/03/2013

(3) አህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ አብ ከተማ ቦስቶን - March 2,2013

(4) International Women's Day will be celebrated in Amsterdam city on the 30th of March 2013

(5) Celebration of 8 Megabit in the City of Frankfurt (Germany) on the 02.03.2013

(6) 8 Megabit Celebration in Wetterau - Freiburg on 09.03.2013

(7) Celebration of 8 Megabit in Cologne, Germany on 16 March 2013

(8) International Women's Day celebration in Houston Texas, March 9, 2013.

(9) International Women's Day Event in Los Angeles, March 9, 2013

(10) International Women Day in Toronto, ON. March 9th 2013

(11) International Women Day in Koeln, Germany. March 16, 2013.

(12) Washington DC International Women's Day Celebration, March 2013

(13) NUEW-Seattle International Women's Day 2013 - Senafe Project Completion Celebration

(14) International Women's Day celebration in Chicago. March 9, 2012

(15) March 8 international Women's Day in London UK

(16) International Women Day in Rome, Italy on March 10 2013.

(17) International Women Day in Milano, Italy on March 10, 2013.

(18) ጽምብል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኡልም (ደቡብ ጀርመን) 09.03.2013

(19)ጽምብል በዓል 8 መጋቢት ፥ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ከተማ በርሊን ዕለት 09.03.2013

(20)International Women Day on 09.03.2013 in Mannheim - Germany

(21) Interanational Women Day in Frankfurt on March 8, 2013.

(22) Internation Women day in Amsterdam, March 30, 2013.

(23) Eritrean women's celebrations - Copenhagen

(24) International Women Day In the Bay Area

(25) The Eritrean Association in Greatter Seattle is Hosting it Annual Woman's Day On March 9, 2013

(26) The Eritrean community members in the Saudi city of Riyadh and its environs commemorated International Women’s Day with zeal.

(27)International Womens Day celebrated with great patriotic spirit In Parma Italy 03/03/2013

(28)International Women Day ins San Diego, March 9, 2013
IP: 173.18.110.95     Last edited: 10:29 AM - Mar 10, 2013     Edit

Top «« ... 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 ... »»

webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1992-2013
All rights reserved